1
ዮሃንስ 5:24
መፅሓፍ ቅዱስ
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
قارن
اكتشف ዮሃንስ 5:24
2
ዮሃንስ 5:6
ኢየሱስ ድማ ንእኡ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረአዮ፥ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ?” በሎ።
اكتشف ዮሃንስ 5:6
3
ዮሃንስ 5:39-40
ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም፥ ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ናባይ ክትመፁ ኣይትደልዩን ኢኹም።
اكتشف ዮሃንስ 5:39-40
4
ዮሃንስ 5:8-9
ኢየሱስ ድማ “ተስእ! ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ፤ ዓራቱ ተሸኪሙውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰንበት ነበረት።
اكتشف ዮሃንስ 5:8-9
5
ዮሃንስ 5:19
ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ወልድ፥ ነቲ ኣብ ክገብሮ ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብ ባዕሉ ሓንቲ ነገር እኳ ኽገብር ኣይኽእልን እዩ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ዝገብሮ፥ ወልድውን ይገብሮ።
اكتشف ዮሃንስ 5:19
الصفحة الرئيسية
الكتاب المقدس
خطط
فيديوهات