1
ዘፍጥረት 25:23
መፅሓፍ ቅዱስ
እግዚኣብሄር ድማ፥ “ኣብ ማህፀንኪ ኽልተ ወገን ኣለዉ፤ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ክኽፈሉ እዮም፤ እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ሓደ ህዝቢ ኽብርትዕ እዩ፤ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽተይ ክግዛእ እዩ” በላ።
Параўнаць
Даследуйце ዘፍጥረት 25:23
2
ዘፍጥረት 25:30
ኤሳው ንያእቆብ “ደኺመ ኣለኹሞ በይዛኻንዶ ኻብዝ ቐይሕ ፀብሒ ኣብልዐኒ?” በሎ። ስለዙይ ስሙ ኤዶም ተብሃለ።
Даследуйце ዘፍጥረት 25:30
3
ዘፍጥረት 25:21
ይስሓቅ ድማ፥ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ምእንታኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከዓ ልመናኡ ሰምዖ፤ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።
Даследуйце ዘፍጥረት 25:21
4
ዘፍጥረት 25:32-33
ኤሳው ድማ፥ “እንሆ ኽመውት ኢለ ኣለኹ፤ እዛ ብዅርና እዚኣ እንታይዶ ኽትዓብሰለይ እያ?” በሎ። ያእቆብ ከዓ “ቅድም መሓለለይ” በሎ እሞ መሓለሉ። ብዅርናኡውን ንያእቆብ ሸጠሉ።
Даследуйце ዘፍጥረት 25:32-33
5
ዘፍጥረት 25:26
ድሕሪዙይ ድማ ሓዉ ተወለደ። ኢዱ ኸዓ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት። ስለዙይ ስሙ ያእቆብ ተብሃለ። ንሳ ኽትወልዶም እንተላ ኸዓ፥ ይስሓቅ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።
Даследуйце ዘፍጥረት 25:26
6
ዘፍጥረት 25:28
ኤሳው እናሃደነ ነቦኡ ይስሓቅ ስጋ የብልዖ ስለ ዝነበረ፥ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት።
Даследуйце ዘፍጥረት 25:28
Стужка
Біблія
Пляны чытаньня
Відэа