ዘፍጥረት 11
11
ህንፃ ባቢሎን
1ኵሉ ምድሪ፥ ሓደ ቛንቋን ሓደ ዘረባን ነበሮ። 2ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጕዓዙ፥ ኣብ ምድሪ ሰናኦር ጐልጐል ረኸቡ፤ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ። 3ንስንሳቶም ድማ “ንዑ፥ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንጥበሶ” ተበሃሃሉ። እቲ ጡብ ክንዲ እምኒ፥ እቲ ቕጥራን ክንዲ ጭቃ ኾነሎም። 4ሽዑ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እንተይተበታተንና፥ ሰማይ ዝበፅሕ ግንቢ ዘለዋ ኸተማ ንስራሕ፥ ስምና ኸዓ ነፀውዕ” በሉ።
5እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ደቂ ኣዳም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግንብን ክርኢ ወረደ። 6እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ እዚኣቶም ሓደ ቛንቋ ዝዛረቡ ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ እዙይ እዩ። ድሕሪ ደጊም ነቲ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ ኻብ ምፍፃም ዝኽልክሎም የለን። 7እምበኣር ንስንሳቶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድሞ ቛንቋኣቶም ንደባልቕ” በለ። 8እግዚኣብሄር ድማ ኻብኡ ናብ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፤ ምህናፅ እታ ኸተማ ድማ ኣቋረፁ። 9እግዚኣብሄር ቋንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፥ እታ ኸተማ “ባቢሎን” ተብሃለት። ካብኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ናብ ኵላ ምድሪ በተኖም።
ካብ ሴም ክሳዕ ኣብራም
10ትውልዲ ሴም ከምዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ማይ ጥፍኣት፥ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣርፋክስድ ወለደ። 11ሴም ንኣርፋክስድ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።
12ኣርፋክስድ ድማ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮነ፤ ንቃይንም ወለደ። 13ኣርፋክስድ ንቃይንም ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ቃይንም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ ንሳላ ወለደ። ቃይንም ንሳላ ምስ ወለደ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።
14ሳላ ኸዓ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንዔቦር ወለደ። 15ሳላ ንዔቦር ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።
16ዔቦር ወዲ ሚእትን ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንፋሌቅ ወለደ። 17ዔቦር ንፋሌቅ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።
18ፋሌቅ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንራግው ወለደ። 19ፋሌቅ ንራግው ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።
20ራግው ወዲ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንሴሮሕ ወለደ። 21ራግው ንሴሮሕ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእትን ሸውዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።
22ሴሮሕ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንናኮር ወለደ። 23ሴሮሕ ንናኮር ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።
24ናኮር ወዲ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንታራ ወለደ። 25ናኮር ንታራ ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ሚእትን ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን።
26ታራ ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ።
ደቂ ታራ
27ትውልዲ ታራ ኸምዙይ እዩ፦ ታራ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ፤ ሓራን ድማ ንሎጥ ወለደ። 28ሓራን ከዓ፥ ኣብታ ዝተወለደላ ምድሪ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ታራ ኣብ ኡር ሞተ። 29ኣብራምን ናኮርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉ። ሰበይቲ ኣብራም ስማ ሶራ ትበሃል ነበረት፤ ሰበይቲ ናኮር ድማ ሚልካ ጓል ሓራን ነበረት። ሓራን ኣቦ ሚልካና ኣቦ ዮስካን ነበረ። 30ሶራ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ውሉድ ኣይወለደትን።
31ታራ ድማ ንወዱ ኣብራምን፥ ንሎጥ ወዲ ሓራን ወዲ ወዱን፥ ንሶራ ሰበይቲ ኣብራም ወዱን ወሰዶም። ካብ ኡር ምድሪ ከለዳውያን ድማ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸዱ ብሓደ ወፁ። ኣብ ካራን ምስ በፅሑ፥ ኣብኣ ተቐመጡ። 32ታራ ኽልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮኖ ኣብ ካራን ሞተ።
Цяпер абрана:
ዘፍጥረት 11: ትመ15
Пазнака
Падзяліцца
Капіяваць
Хочаце, каб вашыя адзнакі былі захаваны на ўсіх вашых прыладах? Зарэгіструйцеся або ўвайдзіце

: