ዘፍጥረት 21
21
ይስሓቅ ከም ዝተወልደ
1እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ። እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝተናገሮ ገበረላ። 2#ዕብ. 11፡11። ሳራ ጠነሰት፤ በቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዋን ከዓ፥ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ። 3ኣብርሃም ድማ ነቲ ዝተወለደሉ ሳራ ንዝወለደትሉ ወዱ “ይስሓቅ” ኢሉ ሰመዮ። 4#ዘፍ. 17፡12፥ ግ.ሓ. 7፡8። ኣብርሃም ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ንወዱ ይስሓቅ ኣብ ሻምናይ መዓልቱ ገረዞ። 5ይስሓቅ ክውለድ እንተሎ፥ ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ነበረ። 6ሳራውን፥ “እግዚኣብሄር ሰሓቕ ገበረለይ፤ ነዙይ ዝሰምዐ ዅሉውን ምሳይ ክስሕቕ እዩ” በለት። 7መሊሳውን “ሳራ ቘልዓ ኸም እተጥቡ፥ ንኣብርሃም መን ምነገሮ? ኣብ እርግናኡ #21፡7 ኣብ እርግናኡ፦ ግእዝ “ብእርግናኣ” ይብል። ንኣብርሃም ወሊደሉ እየሞ” በለት። 8እቲ ቘልዓ ኸዓ ዓበየ፤ ጡብውን ሓደገ። በታ ይስሓቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ድግስ ገበረ።
ኣጋርን እስማኤልን ከም ዝተሰጐጉ
9ሳራ ድማ፥ እታ ግብፃዊት ኣጋር ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ፥ ከላግፅ እንተሎ ረአየት። 10#ገላ. 4፡29-30። ንኣብርሃም ድማ፥ “ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ፥ ምስ ይስሓቅ ወደይ ኣይወርስን እዩ እሞ፥ ነዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወዳ ስጐጓ” በለቶ። 11እዝ ነገር እዙይ ብዛዕባ ወዱ እስማኤል ንኣብርሃም ጭንቂ ኾኖ። 12#ሮሜ 9፡7፥ ዕብ. 11፡18። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም “ስለ ባርያኻን ስለ እቲ ህፃንን ኣይትጨነቕ፤ ብይስሓቅ እዩ ዘርኢ ዝስመየልካ እሞ፥ ንዅሉ እቲ ሳራ እትብለካ ስምዓዮ፤ 13ንወዲ እዛ ባርያውን ዘርእኻ ስለ ዝኾነ፥ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በሎ።
14ንፅባሒቱ ኸዓ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ እንጀራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፥ ንኣጋር ሃባ፤ ኣብ ማእገራ ድማ ኣሰከማ፤ ነቲ ቘልዓ ሂቡውን ሰደዳ። ንሳ ኸዓ ኸይዳ ኣብ በረኻ ቤርሳቤህ ከርተት ትብል ነበረት። 15እቲ ኣብ ሓርቢ ዝነበረ ማይ ምስ ተወድአ ድማ፥ ነቲ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ኣቐሚጣ ሓደገቶ። 16“ሞት እዝ ቘልዓ እዙይ ኸይርኢ” ኢላ ድማ ኸደት እሞ፥ ምውርዋር ቀስቲ ዝኣክል ርሒቓ ኣብ መንፅሩ ተቐመጠት። ዓው ኢላ ድማ ትበኪ ነበረት። #21፡16 ዓው ኢላ ድማ ትበኪ ነበረት፦ ገሊኡ ብራናታት “እቲ ቘልዓ ድማ ዓው ኢሉ ይበኪ ነበረ” ይብሉ።
17ኣምላኽ ከዓ ድምፂ እቲ ቘልዓ ሰምዐ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንኣጋር “ኣጋር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እግዚኣብሄር ድምፂ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ እንተሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሒ። 18ተስኢ፤ ነቲ ቘልዓ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፤ ኣነ ኸዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በላ። 19እግዚኣብሄር ድማ ዓይና ኸፈተላ፤ ማይ ዘለዎ ዒላውን ረአየት። ከይዳ ኸዓ ነቲ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶ። 20እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ዓበየ፤ ኣብ ምድረ በዳውን ተቐመጠ፤ ቀስተኛ ኸዓ ኾነ። 21እስማኤል ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ይቕመጥ ነበረ። እኖኡ ድማ ኻብ ግብፂ ሰበይቲ ኣምፅአትሉ።
ኣብርሃምን ኣቢሜሌክን ኪዳን ከም ዝተኣታተዉ
22 #
ዘፍ. 26፡26። በቲ ዘመን እቱይ ድማ፥ ኣቢሜሌክ ምስ ኣኮዘት ሓለቓ መጓሰኡን፥ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን መፂኡ፥ ንኣብርሃም “ብእትገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ። 23ሕዚ ኸዓ ኸምቲ ኣነ ፅቡቕ ዝገበርኩልካ፥ ንኣይን ነዛ ስደተኛ ዄንካ እትነብረላ ዘለኻ ምድርን፥ ከምኡ ኽትገብር እምበር፥ ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ክፉእ ከይትገብር ብእግዚኣብሄር መሓለለይ” በሎ። 24ኣብርሃም ከዓ “ኣነ እምሕል ኣለኹ” በለ።
25ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ እታ ኣገልገልቲ ኣቢሜሌክ፥ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዒላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ። 26ኣቢሜሌክ ከዓ “ነዚ ነገር እዙይስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፤ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፤ ኣነውን እንትርፊ ሎሚ ኣይሰማዕኹን” በለ። 27ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ከፍትን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሃቦ። ክልቲኦም ከዓ ኺዳን ተኣታተዉ። 28ኣብርሃም ድማ ኻብ መጓሰኡ ሸውዓተ ኣንስትዮ ኣባጊዕ ንበይነን ፈለየ። 29ኣቢሜሌክ ከዓ ንኣብርሃም “እዘን ንበይነን ዝፈለኻየን ሸውዓተ ሽበን ኣባጊዕ እንታይ እየን?” በሎ።
30ኣብርሃም ድማ፥ “ነዛ ዒላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ክኾናኒ፥ እዘን ሸውዓተ ሽበን ኣባጊዕ እዚኣተን ካብ ኢደይ ንኣኻ ውሰድ” በሎ። 31ስለዙይ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ ዝተመሓሓሉ፥ ነታ ቦታ እቲኣ “ቤርሳቤህ” #21፡31 “ዒላ ሸውዓተ” ወይ “ዒላ ማሕላ” ማለት እዩ። ኢሉ ፀውዓ።
32ኣብ ቤርሳቤህ ኸዓ ኺዳን ተኣታተዉ። ኣቢሜሌክ ድማ ምስ ኣኮዘት ሓለቓ መጓሰኡን፥ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን፥ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመለሰ። 33ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቤርሳቤህ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ንስም እቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝኾነ እግዚኣብሄር ፀውዐ። 34ኣብርሃም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ኾይኑ ነዊሕ ዘመን ተቐመጠ።
Цяпер абрана:
ዘፍጥረት 21: ትመ15
Пазнака
Падзяліцца
Капіяваць
Хочаце, каб вашыя адзнакі былі захаваны на ўсіх вашых прыладах? Зарэгіструйцеся або ўвайдзіце

: