YouVersion Logo
Search Icon

ግብሪ ሃዋርያት 1

1
መንፈስ ቅዱስ ከም ዝልእኸሎም ዝተውሃበ ተስፋ
1-2 # ሉቃ. 1፡1-4፥ ማቴ. 28፡19-20። ኦ ቴዎፍሎስ፥ ኣብቲ ቐዳማይ ፅሑፈይ፥ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ካብ መጀመርታ ሒዙ፥ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝሓረዮም ሃዋርያት ኣዚዙ፥ ክሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ፥ ዝገበሮን ዝመሃሮን ፅሒፈልካ ነይረ። 3#1 ቆሮ. 15፡4-7። ብድሕሪ ሞቱ፥ ነርብዓ መዓልቲ ዝኣክል እናተርአዮም፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናነገሮም፥ ብብዙሕ መረዳእታ፥ ህያው ከም ዝኾነ ንባዕሉ ኣርኣዮም። 4ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ፥ ናይ ኣብ ተስፋ ተፀበዩ እምበር፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ። 5#ማቴ. 3፡11፥ ሉቃ. 24፡49፥ ዮሓ. 14፡16። ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ #1፡5 ክትጥመቑ፦ ግእዝ “ክተጥምቑ” ይብል። ኢኹም” ኢሉ ኣዘዞም።
ዕርገት ኢየሱስ
6 # ማቴ. 24፡3። ተኣኪቦም እንተለዉ ኸዓ “ጐይታ፥ ኣብዝ ጊዜ እዙይ ዲኻ፥ ንእስራኤል መሊስካ መንግስቲ እተቑመላ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 7#ማቴ. 24፡36። ኢየሱስ ከዓ “ነቲ ኣብ፥ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን እዋንን ክትፈልጡ፥ ኣይተውሃበኩምን። 8#ሉቃ. 24፡47-48፥ ግ.ሓ. 2፡32፥ 5፡32። መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፥ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ይሁዳን፥ ኣብ ሰማርያን፥ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን፥ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም። 9#ማር. 16፡19። እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ። 10ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥ 11#ማቴ. 24፡30። “ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።
ማትያስ ክንዲ ይሁዳ ኸም ዝተሓርየ
12 # ሉቃ. 24፡52። ብድሕሪዙይ ሃዋርያት፥ ካብ ደብረ ዘይት ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ደብረ ዘይት ካብ ኢየሩሳሌም መንገዲ ሰንበት #1፡12 መንገዲ ሰንበት፦ ሓደ ኪሎ ሜትር ኣቢሉ ይኸውን። ዝኣክል ይርሕቕ ነበረ። 13#ማቴ. 10፡2-4። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ናብታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ላዕለወይቲ ደብሪ ደየቡ። ንሳቶምውን ጴጥሮስ፥ ዮሃንስ፥ ያእቆብ፥ እንድርያስ፥ ፊልጶስ፥ ቶማስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ስምኦን ቀናኢ፥ ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ነበሩ። 14#ሉቃ. 24፡10፥ ዮሓ. 7፡5፥ ግ.ሓ. 2፡46። እዚኣቶም ኵሎም፥ ምስ ገሊኣተን ኣንስትን፥ ምስ ማርያም እኖ ኢየሱስን፥ ምስ ኣሕዋቱን ሓቢሮም፥ ፀሎት የዘውትሩ ነበሩ።
15በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ጴጥሮስ ኣብ ማእኸል እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ፥ ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ኣሕዋት ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ 16#ዮሓ. 13፡18፥ 18፡3-5፥ መዝ. 41፡9። “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንኢየሱስ ክሕዝዎ እንተለዉ ዝመርሖም ይሁዳ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ብኣፍ ዳዊት ዝበሎ ቃል መፅሓፍ፥ ክፍፀም ይግባእ እዩ። 17#ሉቃ. 6፡16። ቍፅሩ ምሳና እንትኸውን፥ ናይዝ ኣገልግሎት እዙይ ተኻፋላይውን ነበረ። 18#ማቴ. 27፡3-10። ሕዚ ግና፥ እንሆ እዝ ሰብዙይ ብዓስቢ ዓመፃኡ፥ ግራት ዓደገ፤ ብግንባሩ ተደፊኡ ኸዓ፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ፤ ኵሉ ኣምዑቱ ድማ ተዘርገፈ። 19እዝ ነገርዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅሎም ተሰምዐ፤ ነቲ ግራት ከዓ ብቛንቋኣቶም ኣኬልዳማ፥ ማለት ግራት ደም፥ ኢሎም ሰመይዎ። 20#መዝ. 69፡25፥ 109፡8። ከምኡ ድማ እቲ ኣብ መፅሓፍ መዝሙር፦
‘ገዛኡ ትዕኖ፤
ኣብኣ ዝነብር ከዓ ኣይረኸብ’ ከምኡውን
‘ንሽመቱ ካልእ ይውሰዳ’
ዝብል፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
21-22 # ግ.ሓ. 2፡32፥ 4፡33። “ስለዙይ ካብዞም ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ፥ ጐይታና ኢየሱስ ካባና ኽሳዕ እታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ፥ ምሳና ኻብ ዝነበሩ ሰባት ካብኣቶም ሓደ፥ ስለ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ እዩ።” 23ስለዙይ ክልተ ሰባት ኣቖሙ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቲ ኢዮስጦስ ወይ በርናባስ ዝብልዎ ዮሴፍን፥ ማትያስን ነበሩ። 24-25#መዝ. 33፡15። ሽዑ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ ጐይታ! እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ክኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ክቕበል፥ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም፥ ነየንኦም ከም ዝሓረኻ ኣርኢ” እናበሉ ፀለዩ። 26ዕፃ ድማ ኣውደቑሎም፤ እታ ዕፃ፥ ከዓ ንማትያስ በፅሐት፤ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ሃዋርያትውን ተቘፀረ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ግብሪ ሃዋርያት 1