YouVersion Logo
Search Icon

ግብሪ ሃዋርያት 5

5
ሓናንያን ሰጲራን ከም ዝተቐሰፉ
1ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ፥ ሰጲራ ምስ እትበሃል ሰበይቱ መሬቱ ሸጠ። 2ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ ድማ፥ ካብቲ ዋጋኡ መቒሉ ኣትረፈ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ጥራሕ ኣምፂኡ፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። 3#ማቴ. 12፡31፥ ዮሓ. 8፡44፥ ዘዳ. 23፡21። ጴጥሮስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ሓናንያ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ክተታልል፥ ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ኽትሓብእ፥ ከመይ ሰይጣን ኣብ ልብኻ መልአ? 4እንተይተሸጠስ፥ ናትካዶ ኣይነበረን? ምስ ሸጥካዮኸ፥ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን? ከመይ ጌርካ ነዝ ነገርዙይ፥ ብልብኻ ሓሰብካዮ? ንሰብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሄር ኢኻ ሓሲኻ ዘለኻ።” 5ሓናንያ እዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ወዲቑ ሞተ። ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎም፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ። #5፡5 ኣብ ግእዝ “ዓብዪ ግርማ ኸዓ ኾነ” ዝብል ይርከብ። 6ካብኣቶም ኣጓብዝ ተሲኦም ገነዝዎ፤ ተሸኪሞም ኣውፂኦምውን ቀበርዎ።
7ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፥ እቲ ዝኾነ እንተይፈለጠት ኣተወት። 8ጴጥሮስ ከዓ፥ “እስኪ ንገርኒ፤ ንመሬትኩም በዝ ኽንድዙይ ዲኹም ዝሸጥኩምዎ?” ኢሉ ጠየቓ፤ ንሳ ድማ “እወ፥ ብኽንድኡ እዩ” በለቶ። 9#ማቴ. 4፡7። ጴጥሮስ ድማ “ከመይከ፥ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ ሓበርኩም? ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ፥ እንሆ ኣብ በሪ ኣለዉ፤ ንኣኺውን ከውፅኡኺ እዮም” በላ። 10ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ጥቓ እግሩ ወዲቓ ሞተት። እቶም ኣጓብዝ ምስ ኣተዉ፥ ሞይታ ስለ ዝፀንሐቶም ተሸኪሞም ወሲዶም፥ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። 11ኣብ ኵላ እታ ቤተ ክርስቲያንን፥ ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎምን ከዓ፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።
ሃዋርያት ዝገበርዎ ምልክትን ተኣምራትን
12 # ማር. 16፡18፥20። ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ብኢድ ሃዋርያት ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ተገብረ፤ ኵላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሓቢሮም፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይእከቡ ነበሩ። 13እቲ ህዝቢ የመና የኽብሮም እንተ ነበረ እኳ፥ ካብቶም ካልኦት ክሕወሶም ዝደፈረ ሓደኳ ኣይነበረን። #5፡13 ክሕወሶም ዝደፈረ፦ ግእዝ “ክፃልኦም ዝደፈረ” ይብል። 14ካብ ቅድም ብዝበለፀ፥ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ እናኣመኑ፥ ናብኣቶም ይውሰኹ ነበሩ። 15ጴጥሮስ ክሓልፍ እንተሎ፥ ፅላሎቱ ንኽዓርፎም፥ ነቶም ሕሙማት ብዓራታትን ብቓሬዛታትን ፆይሮም የምፅእዎም እሞ፥ ኣብቲ ኣደባባይ የንብርዎም ነበሩ። 16ካብተን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበራ ኸተማታት ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ሒዞም ይመፁ ነበሩ። ኵሎም ከዓ ይሓውዩ ነበሩ።
ስደት ሃዋርያት
17ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኵሎም ወገን ሰዱቃውያንን ብርቱዕ ቅንኣት ሓዲርዎም ተስኡ። 18ንሃዋርያት ሒዞም ድማ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። 19መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና፥ ብለይቲ ነቲ ማዕፆ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ኣውፅኦምሞ፥ 20#ግ.ሓ. 12፡7፥ 16፡26፥ 1 ዮሓ. 5፡11። “ኪዱ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፥ ነዝ ናይ ህይወት ቃል እዙይ፥ ንህዝቢ ንገሩ” በሎም። 21ሃዋርያት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣንጊሆም ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን መፂኦም፥ ነቲ መጋባእያን ነቶም ሽማግለታት ደቂ እስራኤልን ክእከቡ ፀውዕዎም። ንሃዋርያት ከምፅእዎም ድማ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ። 22እቶም ሓሻኽር ግና፥ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ በፅሑ ሰኣንዎም። ተመሊሶም ድማ፦ 23“እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓፅዩ፥ እቲ ማዕፆ ድማ ብፅኑዕ ተሸጕሩ፥ እቶም ሓለውቲ እውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ፀኒሖምና፤ ምስ ከፈትናዮ ግና፥ ሓደኳ ኣይረኸብናን” ኢሎም ነገርዎም። 24እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ “እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢሎም ብዛዕባኣቶም ዝብልዎ ሰኣኑ። 25ሓደ መፂኡ ግና፥ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምዎም ሰባት እኒሀዉ፥ “ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮም። 26ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ ምስቶም ሓሻኽሩ ኸይዱ ኣምፅኦም። እንተምፅእዎምውን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብምቅብጣር እዩ፤ እዙይውን እቲ ህዝቢ ብእምኒ ኸይቕጥቅጦም፥ ስለ ዝፈርሑ እዩ።
27ምስ ኣምፅእዎም፥ ኣብቲ መጋባእያ ደው ኣበልዎም፤ እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ፥ 28#ማቴ. 27፡25፥ ግ.ሓ. 3፡15። “ብስም እዝ ሰብ እዙይ ከይትምህሩዶ፥ ብፅኑዕ ኣዚዝናኩም ኣይነበርናን? እንሆ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መላእኹምዋ። ደም እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሌና ኽተምፅኡ ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም?” ኢሉ ጠየቖም። 29#ግ.ሓ. 4፡19። ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፥ ከምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ “ካብ ንሰብስ፥ ንእግዚኣብሄር ክንእዘዝ እዩ ዝግባእ። 30#ግ.ሓ. 2፡23-24። ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተስኦ። 31#ግ.ሓ. 3፡26። ንእስራኤል ንስሃን ስርየት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም፥ እግዚኣብሄር ንእኡ፥ ርእስን መድሓንን ገይሩ፥ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። 32#ግ.ሓ. 1፡8። ንሕና ነዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢና፤ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም፥ መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።”
33ንሳቶም ነዙይ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ፤ #5፡33 ኣብ ግእዝ “ተቘጥዑ፥ ኣስናኖምውን ሓርቀሙ” ዝብል ይርከብ። ንሃዋርያትውን ክቐትልዎም ደለዩ። #5፡33 ክቐትልዎም ደለዩ፦ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክ “ክቐትልዎም ተማኸሩ” ይብሉ። 34#ግ.ሓ. 22፡3። እንተ ኾነ፥ ሓደ ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ፥ ብዅሉ ህዝቢ እውን ዝኸበረ፥ ንሃዋርያት ሓንሳእ ከግልስዎም ኣዘዘ። 35ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ብዛዕባ እዝ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘለኹም ነገር፥ ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ። 36ቅድሚ ሕዚ ቴዎዳስ፥ ኣነ ዓብዪ እየ ኢሉ ተሲኡ ነይሩ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከዓ ተኸተልዎ። እንተ ኾነ ንሱ ተቐተለ፤ እቶም ሰዓብቱ ድማ፥ ኵሎም ተበቲኖም ጠፍኡ። 37ብድሕሪኡ ኸዓ ብጊዜ እቲ ህዝቢ ዝተቖፀረሉ ዘመን፥ ይሁዳ በዓል ገሊላ ተስአ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ኣስድዐ፤ ንሱ ተቐተለ፤ ኵሎም እቶም ዝሰዓብዎ ድማ ተበተኑ። 38ሕዚ ኸዓ እነግረኩም ኣለኹ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፤ ኣይትንክእዎም፤ እዝ ምኽሪ እዙይን፥ እዝ ግብሪ እዙይን፥ ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ኽፈርስ እዩ። 39#ምሳ. 21፡30፥ ኢሳ. 8፡10። ካብ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ምስ እግዚኣብሄርውን ምብኣስ ከይኾነኩም።”
40ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሃዋርያት ግና ፀዊዖም ገረፍዎም፤ ብስም ኢየሱስ ከይናገሩ ኣዚዞም ከዓ ሰደድዎም። 41#ማቴ. 5፡11-12። ንሳቶም ግና፥ ምእንቲ ስም ኢየሱስ፥ ውርደት ንምቕባል፥ ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተቘፀሩ፥ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ። 42በብመዓልቱ ኣብ ቤተ መቕደስን፥ ገዛ ንገዛ እናዞሩን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ እንተየቋረፁ ይምህሩን የብስሩን ነበሩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ግብሪ ሃዋርያት 5