ግብሪ ሃዋርያት መእተዊ
መእተዊ
ግብሪ ሃዋርያት፥ መቐፀልታ ወንጌል ሉቃስ እዩ። ናይዝ መፅሓፍ እዙይ ዋና ዕላማ ኸዓ፥ እቶም ናይ መጀመርታ ተኸተልቲ ኢየሱስ፥ ነቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝምህር ወንጌል፥ ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ “ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድርን” (1፡8) ከመይ ገይሮም ክዝርግሕዎ ኸም ዝኸኣሉ ምግላፅ እዩ።
እዝ መፅሓፍ እዙይ እምነት ክርስትና፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣይሁድ ጀሚሩ፥ እምነት ኵሉ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝተዘርግሐ ዝገልፅ ታሪኽ እዩ። እቲ ፀሓፊ ንኣንበብቲ ኸረጋግፀሎም ዝደለዮ ዋና ነገር፥ ክርስቲያናት ንመንግስቲ ሮሜ ዝፃረሩ ሰባት ከም ዘይኮኑ፥ ክርስትና ኸዓ ንእምነት ኣይሁድ ምልኣት ዝህብ ከም ዝኾነ እዩ።
ግብሪ ሃዋርያት፥ ምስፋሕ ወንጌል ኢየሱስን፥ ምምስራት ቤተ ክርስቲያንን፥ ብዝገልፁ ብሰለስተ ዋና ዋና ኣርእስትታት ክኽፈል ይከኣል፦
1. ድሕሪ ዕርገት ኢየሱስ፥ ክርስትና ኣብ ኢየሩሳሌም ክዝርጋሕ ኸም ዝጀመረ።
2. ናብ ምድሪ እስራኤልን ናብ ካልኦት ክፍልታትን ከም ዝተዘርግሐ።
3. ናብ ርሑቓት ሃገራት፥ ማለት ንሮም ሓዊስካ ናብ ዙርያ ባሕሪ ሜዲትራንያን ዘለዋ ሃገራት ከም ዝሰፍሐ።
እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ብርህ ኢሉ ዝረአ ዋና ቑም ነገር፥ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ መዓልቲ በዓለ ሓምሳ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ክርስቲያን፥ ብሓይሊ ምውራዱን ከምኡውን፥ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ኸም እንረኽቦ፥ ንቤተ ክርስቲያንን ንመራሕታን ክመርሖምን ከፀናንዖምን እንተሎ እዩ። እቲ ናይ ጥንቲ ትምህርቲ ኽርስትና፥ ኣብ ብዙሕ ስብከታት ተጠሪፉ ንረኽቦ። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተገሊፁ እንረኽቦ ዅነታት ከዓ፥ ናይዝ ትምህርቲ እዙይ ሓይሊ፥ ኣብ ህይወት ክርስቲያንን፥ ኣብ ሕብረት ቤተ ክርስቲያንን፥ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ኸም ዝነበረ የረድእ።
ትሕዝቶ
1. ንምምስካር ምድላው 1፡1-26
1) ኢየሱስ ዝሃቦ መወዳእታ ትእዛዝን ተስፋን 1፡1-14
2) ክንዲ ይሁዳ ብዛዕባ ዝተሸመ ሃዋርያ 1፡15-26
2. ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተውሃበ ምስክርነት 2፡1-8፡3
3. ኣብ ይሁዳን ሰማርያን ዝተውሃበ ምስክርነት 8፡4-12፡25
4. ኣገልግሎት ጳውሎስ 13፡1-28፡31
1) ወንጌል ንምምሃር ዝተገብረ ናይ ፈለማ ጕዕዞ 13፡1-14፡28
2) ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተገብረ ጉባኤ ሃዋርያት 15፡1-35
3) ወንጌል ንምምሃር ዝተገብረ ኻልኣይ ጕዕዞ 15፡36-18፡23
4) ወንጌል ንምምሃር ዝተገብረ ሳልሳይ ጕዕዞ 18፡24-21፡16
5) ሙቝሕ ጳውሎስ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቂሳርያ፥ ኣብ ሮሜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ጊዜ 21፡17-28፡31
Currently Selected:
ግብሪ ሃዋርያት መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: