YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 22

22
ኣብርሃም ንይስሓቅ ክስውኦ ኸም ዝተኣዘዘ
1ድሕሪዙይ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ፈተኖ፦ “ኣብርሃም” ኢሉውን ፀውዖ። ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ” በለ።
2 # 2 ዜና. 3፡1። እግዚኣብሄር ድማ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ ሞሪያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ እምባታት ኣብ ሓደ፥ መስዋእቲ ጌርካ ሰውአለይ” በሎ።
3ንፅባሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ ኣድጉ ፀዓነ። ክልተ ኣገልገልቱን ወዱ ይስሓቅን ከዓ ምስኡ ወሰደ። ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይቲ ፈሊፁ፥ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቦታ ኸደ። 4ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብርሃም ኣንቃዕሪሩ ጠመተሞ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረአያ። 5ኣብርሃም ድማ ነቶም ኣገልገልቱ “ነዝ ኣድጊ ሒዝኩም ኣብዙይ ፅንሑ፤ ኣነን እዝ ወደይን ናብቱይ ክንከይድ ኢና፤ ሰጊድና ኸዓ ናባኻትኩም ክንምለስ ኢና” በሎም።
6ኣብርሃም ድማ ነቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኣልዒሉ፥ ንወዱ ይስሓቅ ኣሰከሞ። ንሱውን ሓዊን ካራን ብኢዱ ሓዘ። ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። 7ይስሓቅ ነቦኡ ኣብርሃም “ኣቦይ” ኢሉ ፀውዖ፤ ኣብርሃም ከዓ “እኒሀኹ ወደይ” በሎ። ይስሓቅ ድማ “ሓዊን ዕንፀይትንስ እንሆ፤ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ።
8ኣብርሃም ከዓ “ወደይ፥ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕስ እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ፤ ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።
9 # ያቆ. 2፡21። ኣብርሃምን ወዱን ድማ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሓበረሉ ቦታ በፅሑ፤ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐ፤ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፈሉ። ንወዱ ይስሓቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣጋደሞ። 10ኣብርሃም ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ንወዱ ኽስውእ ካራ ኣልዓለ። 11መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ሰማይ “ኣብርሃም! ኣብርሃም!” እናበለ ፀውዖ። ኣብርሃምውን “እኒሀኹ” በለ። 12ንሱ ድማ “ንወድኻ፥ ነዝ ሓደ ወድኻ እኳ ኻብ ዘየናሕሰኻሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርሕ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኢድካ ኣብ ልዕሊ እዝ መንእሰይ ከይትዝርግሕ፤ ጕድኣትውን ከይተብፅሐሉ” በሎ።
13 # ዕብ. 11፡17-19። ኣብርሃም ድማ ግልፅ እንተበለ፥ እንሆ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሃረግ #22፡13 ብሃረግ፦ ግእዝ “ብዕፀ ሳቤቅ” ይብል። ዝተትሓዘ በጊዕ ረአየ። ከይዱ ድማ ነቲ በጊዕ ወሲዱ፥ ክንዲ ወዱ ይስሓቅ ንዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኦ። 14ኣብርሃም ከዓ ነቲ ቦታ እቱይ “እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” #22፡14 “ከዳሉ እዩ” ወይ ከዓ “ይርኢ እዩ” ማለት እዩ። ኢሉ ሰመዮ። ክሳዕ ሎሚ “ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር፥ ከዳሉ እዩ” #22፡14 እግዚኣብሄር፥ ከዳሉ እዩ፦ ብዕብራይስጢ “ያህዌ ይርኤ” ይብል። ይበሃል።
15መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኻልኣይ ጊዜ ኻብ ሰማይ ንኣብርሃም ፀውዖ። 16“ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ንወድኻ፥ ነቲ ሓደ ወድኻ እኳ ስለ ዘይከላእኻኒ፥ 17#ዕብ. 6፡13-14። ፈፂመ ኽባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን፥ ከብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ኣፍ ደገ ፀላእቶም ክወርሱ እዮም። #ዕብ. 11፡12። 18#ግ.ሓ. 3፡25። ቃለይ ስለ ዝሰማዕኻ ድማ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ። 19ኣብርሃም ከዓ ናብቶም ኣገልገልቱ ተመለሰ። ሓቢሮም ድማ ናብ ቤርሳቤህ ኸዱ። ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቤርሳቤህ ተቐመጠ።
ደቂ ናኮር
20ብድሕሪዙይ ንኣብርሃም “እንሆ ሚልካ ንናኮር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉ” ኢሎም ነገርዎ። 21ንሳቶም ከዓ ዑፅ እቲ በዅሩ፥ ቡዝ ሓዉ፥ ቀሙኤል ኣቦ ኣራም፥ 22ኮዛት፥ ሓዞ፥ ፊልዳስ፥ የድላፍ፥ ባቱኤል እዮም። 23ባቱኤል ንርብቃ ወለደ። ስለዙይ ሚልካ ንናኮር ሓው ኣብርሃም ሸሞንተ ደቂ ወለደትሉ። 24ሬሕማ ዝስማ ዕቅብቱ ድማ ጥባሕ፥ ገኣም፥ ተሓስ፥ ሞክሳ ዝበሃሉ ደቂ ወለደትሉ።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 22: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in