ዘፍጥረት 23
23
ሞት ሳራ
1ሳራ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ዓመት ኮና፤ እዚኣተን እየን ዓመታት ሳራ። 2ኣብ ቂርያትኣርባቅ ሞተት፤ ንሳውን ኣብ ምድሪ ከነዓን እትርከብ ኬብሮን እያ። ኣብርሃም ከዓ ንሳራ ኽሓዝነላን ክበኽየላን ጀመረ።
3ኣብርሃም ካብቲ ጥቓ ሬሳ ተሲኡ፥ ንደቂ ኬጢ 4#ዕብ. 11፡9፥13፥ ግ.ሓ. 7፡16። “ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ጋሻን ስደተኛን እየ። ኣባኻትኩም ርስቲ መቓብር ሃቡኒ፤ ሬሳይውን ካብ ቅድመይ ክቐብር” በሎም።
5ደቂ ኬጢ ድማ ንኣብርሃም 6“ጐይታና! ስምዐና፤ ንስኻ ኣብ ማእኸልና፥ ኣምላኽ ዝሸመካ መስፍን ኢኻ። ካብቲ ናይ መቓብር ቦታና ኣብ ዝመረፅካዮ ቕበር። ካባና ሓደ እኳ ንሬሳኻ ኸይትቐብር መቓብር ዝኽልክለካ የለን” ኢሎም መለሱሉ።
7ኣብርሃም ከዓ ተሲኡ፥ ንህዝቢ እታ ሃገር ንደቂ ኬጢ፥ ፍግም ኢሉ ኢድ ነስአሎም። 8-9“ሬሳይ ካብ ቅድመይ ክቐብር ካብ ፈቐድኩምለይስ ስምዑኒ፤ ንኤፍሮን ወዲ ፆሓር፥ ነታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ ናቱ በዓቲ ኽህበኒ እሞ፥ ንመቓብር ርስቲ ኽትኮነኒ ኣብ ቅድሜኹም ብምሉእ ዋጋ ኽህበኒ ለምኑለይ” በሎም።
10ኤፍሮን ድማ ኣብ ማእኸል ደቂ ኬጢ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ንሱውን ኵሎም እቶም ደቂ ኸተማኡ፥ ደቂ ኬጢ፥ እናሰምዑ ንኣብርሃም፥ 11“ኣይፋልካን ጐይታይ፥ ስምዐኒ ደኣ፤ እታ ግራትን፥ እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን፥ ደቂ ህዝበይ እናረአዩ እህበካ ኣለኹ፥ ሬሳኻ ቕበር” በሎ።
12ኣብርሃም ከዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር ፍግም ኢሉ ኢድ ነስአ። 13ንኤፍሮን ድማ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ “በይዛኻ ስምዐኒ! ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህበካ ተቐበለኒ እሞ ሬሳይ ኣብኣ ኽቐብር” በሎ።
14ኤፍሮን ድማ ንኣብርሃም 15“ጐይታይ! ስምዐኒ ደኣ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ብሩር ዝዋጋኡ ምድሪ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እዩ? ሬሳኻ እንዶ ቕበር” ኢሉ መለሰሉ። 16ኣብርሃም ከዓ ነቲ ኤፍሮን ደቂ ኬጢ እናሰምዑ ዝተዛረቦ ዋጋ ሰሚዑ፥ በቲ ሽዑ ዝነበረ ሸርፊ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ብሩር መዘነሉ።
17በዝ ኸምዙይ ከዓ እታ ኣብ ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ዝነበረት ግራት ኤፍሮን፥ እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን፥ ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዅሉ ወሰና ዝነበረ ኣእዋምን፥ 18ኣብ ቅድሚ ደቂ ኬጢን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም በታ በሪ እታ ኸተማ ዝኣትዉ ዝነበሩን፥ ንኣብርሃም ርስቱ ኾነት።
19ድሕሪዙይ ድማ ኣብርሃም ንሳራ ሰበይቱ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ፥ ኣብ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ከነዓን ቀበራ። 20እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ፥ ካብ ደቂ ኬጢ ናብ ኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኮይና ፀንዐት።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: