ዘፍጥረት 28:20-22
ዘፍጥረት 28:20-22 ትመ15
ያእቆብ ድማ “እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፥ ኣብዛ ዝኸዳ ዘለኹ መንገደይ ከዓ እንተ ሓሊዩኒ፥ ዝበልዖ እንጀራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፥ ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ መሊሱኒ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ክኸውን እዩ። እዛ ኸም ሓወልቲ ገይረ ዝተኸልኩዋ እምኒ ኸዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። ካብ ኵሉ እትህበኒ ድማ ኣስራት ክህብ እየ” እናበለ ተመባፅዐ።