YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 29

29
ያእቆብ ኣብ እንዳ ላባ ኸም ዝበፅሐ
1ያእቆብ ድማ ኻብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ምብራቓውያን ከደ። 2እንሆ ድማ ኣብ ሜዳ፥ ዒላ ረአየ። እቲ ዒላ መጓሰታት ዝሰትያሉ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ጥቓኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ዐይመን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዒላ ዝነበረ እምኒ ኸዓ ዓብዪ ነበረ። 3ኵለን መጓሰታት ናብኡ ምስ ተኣከባ፥ እቶም ጓሶት ነቲ እምኒ፥ ካብ ኣፍ እቲ ዒላ ገምጢሎም፥ ነተን ኣባጊዕ የስትይወን ነበሩ። መጓሰኦም ምስ ኣስተዩ ኸዓ፥ ነቲ እምኒ ናብ ኣፍ እቲ ዒላ መሊሶም ይገጥምዎ ነበሩ።
4ያእቆብ ከዓ “ነቶም ጓሶት ኣቱም ኣሕዋተይ! ካበይ ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ካብ ካራን ኢና” ኢሎም መለሱሉ።
5ንሱ ድማ “ንላባ ወዲ ናኮር ትፈልጡዎዶ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ንፈልጦ” በልዎ።
6“ደሓንዶ ኣሎ?” ድማ በሎም። ንሳቶም ከዓ “እወ ደሓን ኣሎ፤ ራሄል ጓሉ እኳ እኒሃ ምስተን ኣባጊዕ ትመፅእ ኣላ” በልዎ።
7ያእቆብ ከዓ “እንሆ፥ ገና ቐትሪ እዩ ዘሎ፥ ከፍቲ ዝእከባሉ ጊዜ ኣይኮነን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ ኼድኩም ኣብልዕወን” በሎም።
8ንሳቶም ድማ “ኵለን መጓሰታት ክሳዕ ዝእከባ፥ ነቲ እምኒ ኸዓ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ኽሳዕ ዝግምጥልዎ ኣይንኽእልን ኢና፤ ድሕሪኡ ኢና ነተን ኣብጊዕ እነስትየን” በልዎ።
9ራሄል ባዕላ ኣባጊዕ ኣቦኣ ትጓሲ ነበረትሞ፥ ያእቆብ ገና ምስኣቶም ክዛረብ እንተሎ፥ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መፀት። 10ያእቆብ ድማ ንራሄል ጓል ኣኮኡ ላባን ነባጊዕ ኣኮኡን ምስ ረአየ፥ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዒላ ገምጠሎ። ነባጊዕ ኣኮኡ ላባ ድማ ኣስተየን። 11ያእቆብ ድማ ንራሄል ሰዓማ፥ ዓው ኢሉውን በኸየ። 12ያእቆብ ድማ ንራሄል ዘመድ ኣቦኣ ወዲ ርብቃ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸዓ ጐይያ ኸይዳ ነቦኣ ነገረቶ። 13ላባ ወረ ያእቆብ ወዲ ሓፍቱ ምስ ሰምዐ፥ ክቕበሎ ጐየየ፤ ሓቚፉውን ሰዓሞ፤ ናብ ገዛኡ ድማ ኣእተዎ። ያእቆብ ከዓ እቲ ዅሉ ዝኾነ ነገር ንላባ ነገሮ። 14ላባ ኸዓ “ብሓቂ ንስኻ ዓፅመ ስጋይ ኢኻ” በሎ። ወርሒ ዝኣክልውን ምስኡ ተቐመጠ።
ያእቆብ ንራሄልን ንልያን ክብል ከም ዝተገዝአ
15ላባ ድማ ንያእቆብ “ሓወይ ስለ ዝኾንካዶ ብኸምኡ ኽተገልግለኒ ዄንካ? ዓስብኻ እንታይ ምዃኑ ደኣ ንገረኒ” በሎ። 16ንላባ ኸዓ ኽልተ ኣጓላት ነበራኦ። ስም እታ ዓባይ ልያ፥ ስም እታ ንእሽተይ ከዓ ራሄል ነበረ። 17ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፤ ራሄል ግና መልክዐኛ፥ ትርኢታውን ፅብቕቲ ነበረት። 18ያእቆብ ድማ ንራሄል ይፈትዋ ስለ ዝነበረ፥ “ምእንቲ እታ ንእሽተይ ጓልካ ራሄል፥ ሸውዓተ ዓመት ከገልግለካ” በሎ።
19ላባ ኸዓ፥ “ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፥ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፤ ምሳይ ተቐመጥ” በሎ። 20ያእቆብ ከዓ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ኣገልገለ፤ ንኣኣ ይፈትዋ ስለ ዝነበረ ድማ ኸም ውሑዳት መዓልቲታት ኾይነን ተርአያኦ።
21ያእቆብ ከዓ ንላባ “ጊዜይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ክምርዐዋስ ሕፂተይ ሃበኒ” በሎ። 22ሽዑ ላባ ንዅሎም ሰብ እታ ሃገር ኣኪቡ መርዓ ገበረ። 23ምሸት ምስ ኮነ ድማ ላባ ንልያ ጓሉ ወሲዱ፥ ናብ ያእቆብ ኣእተዋ፤ ያእቆብውን ናባኣ ኣተወ። 24ላባ ድማ ነታ ኣገልጋሊቱ ዘለፋ ንጓሉ ልያ ኣገልጋሊት ክትኮና ሃባ። 25ምስ ወግሐ እንሆ ንሳ ልያ ኾይና ተረኽበት፤ ያእቆብ ድማ ንላባ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኮንኩን ዘገልገልኩኻ? ስለ ምንታይ ደኣ ኣታሊልካኒ?” በሎ።
26ላባ ድማ “ምዕባያ እናሃለወት ንምንኣሳ ምምርዓው ኣብ ሃገርና ኣይተለምደን፥ 27ነዛ ሰሙን ሕፅኖት እዚኣ ፈፅም እሞ፥ ስለ እቲ ምሳይ ካልእ ሸውዓተ ዓመት እተገልግሎ ኣገልግሎት፥ ንራሄል ድማ ኽህበካ እየ” በሎ።
28ያእቆብ ከዓ ኸምኡ ገበረ፤ ሰሙን ሕፅኖትውን ወድአ። ብድሕሪኡ ላባ ንጓሉ ራሄል ሰበይቱ ኽትኮኖ ሃቦ። 29ነታ ኣገልጋሊቱ ባላ ንጓሉ ራሄል ኣገልጋሊት ክትኮና ሃባ። 30ያእቆብ ናብ ራሄል ኣተወ። ንራሄል ከዓ ኻብ ልያ ኣብሊፁ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ኻልእ ሸውዓተ ዓመት ንላባ ኣገልገሎ።
ደቂ ያእቆብ
31እግዚኣብሄር ከዓ ልያ ኸም ዝተፀልአት ሪኡ ማህፀና ኸፈተላ፤ ራሄል ግና መኻን ነበረት። 32ልያ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር መከራይ ሪኡ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ክፈትወኒ እዩ” እንትትብል “ሮቤል” ኢላ ሰመየቶ። 33መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር ከም ዝተፀላእኹ ስለ ዝሰምዐ ነዙይ ድማ ሃበኒ” በለት፤ “ስምኦን” ኢላውን ሰመየቶ። 34መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ሰለስተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ናባይ ክፅጋዕ እዩ” እንትትብል፥ “ሌዊ” ኢላ ሰመየቶ። 35መሊሳ ኸዓ ጠነሰት፥ ወዲውን ወለደት። “ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ” በለት። “ይሁዳ” ኢላ ድማ ሰመየቶ። ሽዑ ምውላድ ኣቋረፀት።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 29: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in