ዘፍጥረት 36
36
ደቂ ኤሳው
1ኤዶም ናይ ዝተብሃለ ኤሳው ትውልዲ እዙይ እዩ፦ 2#ዘፍ. 26፡34። ኤሳው ካብ ኣጓላት ከነዓን ኣንስቲ ኣእተወ፤ ንሳተንውን፦ ዓዳ ጓል ኤሎን ኬጢያዊ፥ ኣህሊባማ ጓል ዓና ወዲ ፅብዖን ኤዊያዊ፥ 3#ዘፍ. 28፡9። ቤሴሞት ጓል እስማኤል ሓፍቲ ነባዮት ነበራ። 4ዓዳ ንኤሳው፥ ንኤሊፋዝ ወለደትሉ፤ ቤሴሞትውን ንራጉኤል ወለደት፤ 5ኣህሊባማ ንየዑስን ንያዕላምን ንቆሬን ወለደት። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝተወለዱ ደቂ ኤሳው እዮም።
6ኤሳው፥ ኣንስትን፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ደቁ፥ ኵሉ ስድራ ቤቱን ከፍቱን፥ ኵሉ እንስሳኡን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘጥረዮ ገንዘቡን ሒዙ፥ ካብ ያእቆብ ሓዉ ርሒቑ ናብ ካልእ ሃገር ኸደ። 7ጥሪቶም በዚሑ ስለ ዝነበረ ብሓደ ኽቕመጡ ኣይከኣሉን። ብዝሒ ኸፍቲ ስለ ዝነበሮም ድማ እታ ተቐሚጦምዋ ዝነበሩ ምድሪ ኽትኣኽሎም ኣይከኣለትን። 8ኤሳው ድማ፥ ኣብ እምባ ሴይር ተቐመጠ። ኤሳው ከዓ፥ ኤዶም እዩ።
9ናብቶም ኣብ እምባ ሴይር ዝነብሩ ኤዶማውያን ኣቦ ናይ ዝኾነ ኤሳው ትወልዲ ኸምዙይ እዩ፦ 10ኤሊፋዝ ወዲ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፥ ራጉኤል ወዲ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው ነበሩ። 11ደቂ ኤልፋዝ ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ቴማን፥ ኦማር፥ ስፎ፥ ጎቶም፥ ቄኔዝ ነበሩ። 12ቲምናዕ ድማ ዕቅብቱ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ ንኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ካብ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው ዝተወለዱ እዮም። 13ደቂ ራጉኤል ከዓ፦ ናሖት፥ ዛራ፥ ሳማ፥ ሚዛህ እዮም። እዚኣቶም ካብ ቤሴሞት ሰበይቲ ኤሳው ዝተወለዱ እዮም።
14ደቂ ኣህሊባማ ጓል ዓና ወዲ ፂብዖን ሰበይቲ ኤሳው፦ የዑስ፥ የዕላማ፥ ቆሬ እዮም።
15ሹመኛታት ደቂ ኤሳው፥ ደቂ ኤልፋዝ በዅሪ ወዱ ንኤሳው ድማ፥ ሹም ቴማን፥ ሹም ኦማር፥ ሹም ስፎ፥ ሹም ቄኔዝ፥ 16ሹም ቆሬ፥ ሹም ጎቶም፥ ሹም ኣማሌቅ እዮም። እዚኣቶም ሹመኛታት ኤልፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ዝነብሩ፥ ካብ ዓዳ ዝተወለዱ እዮም።
17ደቂ ራጉኤል ወዲ ኤሳው ድማ፦ ሹም ናሖት፥ ሹም ዛራ፥ ሹም ሳማ፥ ሹም ሚዛህ። እዚኣቶም ሹመኛታት ራጉኤል ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ዝነብሩ፥ ደቂ ቤሴሞት ሰበይቲ ኤሳው እዮም።
18ደቂ ኣህሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ፦ ሹም ዑስ፥ ሹም የዕላማ፥ ሹም ቆሬ እዮም። እዚኣቶም ካብ ኣህሊባማ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው ዝውለዱ ሹመኛታት እዮም። 19እዚኣቶም ደቂ ኤሳውን ሹመኛታቶምን እዚኣቶም እዮም፤ ንሱውን ኤዶም እዩ።
ደቂ ሴይር
20ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ደቂ ሴይር ሖሪው ድማ፦ ሎጣን፥ ሶባል፥ ፅብኦን፥ ዓና፥ 21ዲሶን፥ ኤፅር፥ ዲሳን እዮም። እዚኣቶም ሹመኛታት ደቂ ሖሪው ደቂ ሶባል፥ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነብሩ እዮም።
22ደቂ ሎጣን፥ ሖሪን ሄማምን እዮም፤ ሎጣን ድማ ቲምናዕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ።
23ደቂ ሶባል፥ ዓልዋን፥ ማኔሓት፥ ኤባል፥ ስፎ፥ ኣውናም እዮም።
24ደቂ ፅብዖን፥ ኣያን ዓናን እዮም። ዓና ኣእዱግ ኣቦኡ ፅብዖን ኣብ ምድረ በዳ ኽጓሲ እንተሎ፥ ዓይንታት ፍሉሕ ማይ ዝረኸበ እዩ። 25ደቂ ዓና፥ ዲሶንን ኣህሊባማ ጓል ዓናን እዮም። 26ደቂ ዲሶን፥ ሔምዳንን ኤስባንን ይትራንን ክራንን እዮም።
27ደቂ ኤፅር፥ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን እዮም።
28ደቂ ዲሳን፥ ዑፅን ኣራንን እዮም።
29ሹመኛታት ሖሪው ድማ፦ ሹም ሎጣን፥ ሹም ሶባል፥ ሹም ፅብዖን፥ ሹም ዓና፥ 30ሹም ዲሶን፥ ሹም ኤፅር፥ ሹም ዲሳን እዮም። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ሴይር ዘለዉ ሹመኛታት ሖሪው እዮም።
ብዛዕባ ነገስታት ኤዶምያስ
31ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ገና እንተይነገሰ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ዝነገሱ ነገስታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
32ባላቅ ወዲ ቢዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፤ ከተማኡ ኸዓ ዲንሃባ ትበሃል ነበረት።
33ባላቅ ምስ ሞተ፥ ኢዮባብ ወዲ ዛራሕ በዓል ባሶራ ተኪኡ ነገሰ።
34ኢዮባብ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ሑሳም በዓል ሃገር ቴማኒ፥ ተኪኡ ነገሰ።
35ሑሳም ምስ ሞተ ድማ፥ ሃዳድ ወዲ በዳድ፥ እቲ ንሰብ ምድያም ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ዝሰዓረ፥ ተኪኡ ነገሰ፤ ከተማኡ ድማ ዓዊት ትበሃል ነበረት።
36ሃዳድ ምስ ሞተ ኸዓ፥ ሳምላ በዓል መስሬቃ፥ ተኪኡ ነገሰ።
37ሳምላ ምስ ሞተ፥ ሳኦል በዓል እታ ጥቓ ሩባ ዘላ ርሖቦት፥ ተኪኡ ነገሰ።
38ሳኦል ምስ ሞተ፥ በዓልሓናን ወዲ ኣክቦር ተኪኡ ነገሰ።
39በዓልሓናን ወዲ ኣክቦር ምስ ሞተ፥ ሃዳር ተኪኡ ነገሰ። ከተማኡ ድማ ፋዑ ትበሃል ነበረት። ሰበይቱ ኸዓ ሜሄጣብኤል ትበሃል ነበረት። ንሳ ጓል መጥሬድ ወዲ ሜዛሃብ እያ።
40ሹመኛታት ኤሳው በብስሞም፥ በብዓሌታቶም፥ በብሃገሮም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
ሹም ቲምናዕ፥ ሹም ዓልዋ፥ ሹም የቴት፥
41ሹም ኣህሊባማ፥ ሹም ኤላ፥ ሹም ፊኖን፥
42ሹም ቄኔዝ፥ ሹም ቴማን፥ ሹም ሚብሳር፥
43ሹም ማግዲኤል፥ ሹም ዒራም እዮም።
እዚኣቶም ከከም ርስቶም ኣብ ኣዓዶም ዝነብሩ ሹመኛታት ኤዶም እዮም። ኤሳው ኣቦ ኤዶማውያን እዩ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 36: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in