YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 4

4
ቃየልን ኣቤልን
1ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣሞ፥ ጠነሰት፤ ንቃየልውን ወለደት። “ብረድኤት እግዚኣብሄር ወዲ ረኺበ” ድማ በለት። 2ደጊማውን ንሓዉ ኣቤል ወለደት። ኣቤል ጓሳ ኣባጊዕ ኾነ፤ ቃየል ከዓ ሓረስታይ ኮነ። 3ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ድማ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። 4#ዕብ. 11፡4። ኣቤልውን ካብ በዅራት ኣባጊዑ ሰስቡሖም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ተመልከተ። 5ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ኣይተመልከተን። ቃየል ከዓ የመና ጐሃየ፤ ገፁውን ፀለመ። 6እግዚኣብሄር ድማ ንቃየል “ስለ ምንታይ ኰሪኻ? ስለ ምንታይከ ገፅካ ፀለመ? 7ፅቡቕ ጌርካ እንተትኸውንስ ገፅካ ምበርሀ ነይሩ። ፅቡቕ ስለ ዘይገበርካ ግና፥ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ኾይና ትፀናተወካ ኣላ፤ ድሌታውን ናባኻ እዩ፤ ንስኻ ግና ኣብ ልዕሌኣ ንገሰላ” በሎ።
8 # ማቴ. 23፡35፥ ሉቃ. 11፡51፥ 1 ዮሓ. 3፡12። ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል “ንበረኻ ንኺድ” በሎ። ኣብ በረኻ ምስ ከዱ ኸዓ፥ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ወቒዑ ቐተሎ።
9እግዚኣብሄር ከዓ ንቃየል “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ። ቃየል ድማ “ኣይፈልጥን፤ ኣነዶ ሓላዊ ሓወይ እየ?” ኢሉ መለሰ።
10 # ዕብ. 12፡24። እግዚኣብሄር ከዓ “እንታይ ጌርካ ኢኻ? ድምፂ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ። 11ስለዙይ ኣብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ዝተረገምካ ኢኻ። 12ንምድሪ ምስ ሓረስካያ ፍረኣ ኣይትህበካን እያ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ድንጉፅን ኰብላልን #4፡12 ድንጉፅን ኰብላልን፦ ግእዝ “ርዑድን ድንጉፅን” ይብል። ኩን” በሎ።
13ቃየል ከዓ ንእግዚኣብሄር “ቅፅዓተይ ክፆሮ ዘይከኣለኒ ዓብዪ እዩ። 14እንሆ፥ ሎሚ ኻብ ገፅ ምድሪ ትሰጐኒ ኣለኻ፤ ኣነ ድማ ኻብ ገፅካ ኽሕባእ እየ። ኣብ ምድሪ ድንጉፅን ኰብላልን ክኸውን እየ፤ ኵሉ ዝረኸበኒ ድማ ኽቐትለኒ እዩ” በሎ።
15እግዚኣብሄር ድማ “እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ኽፍደ እዩ” በለ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቐትሎ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ። 16ቃየል ድማ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ወፀ፤ ኣብ ኤደን ብወገን ምብራቕ ኣብ እትርከብ ኖድ ኣብ እትብሃል ምድሪ ድማ ተቐመጠ።
ደቂ ቃየል
17ቃየል ድማ ንሰበይቱ ፈለጣሞ ጠነሰት፤ ንሄኖህ ድማ ወለደት። ቃየል ከተማ ኣጣየሸ፤ ነታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖህ ኢሉ ስም ኣውፅአላ። 18ሄኖህ ከዓ ንጋይዳድ ወለደ። ጋይዳድ ድማ ንሜኤል ወለደ። ሜኤል ከዓ ንማቱሳላ ወለደ። ማቱሳላ ድማ ንላሜህ ወለደ። 19ላሜህ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፥ ስም እታ ኻልአይቲ ድማ ሴላ ነበረ። 20ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳናት ዝነብሩን ከፍቲ ዘርብሑን ነበረ። 21ዩባል ዝበሃል ሓው ድማ ነበሮ፤ ንሱ ኸዓ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን እዩ። 22ሴላ ድማ ነሃስን ሓፂንን ቀጥቂጡ ኣቑሑ ንዝሰርሕ ቱባልቃይን ወለደት። ሓፍቲ ቱባልቃይን ድማ ናዕማ ትበሃል ነበረት።
23ላሜህ ድማ ነንስቱ ተዛረበን፤
“ዓዳን ሴላን፥ ቃለይ ስምዓ፤
ኣትን ኣንስቲ ላሜህ፥ ዘረባይ ኣዳምፃ፤
ስለ ቝስለይ፥ ሰብኣይ፥
ስለ ስምብራተይ ድማ፥ ጐበዝ ቐተልኩ።
24ቃየል ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ዝፍደ ኻብ ኮነ፤
ላሜህ ከዓ ሰብዓን ሸውዓተን ዕፅፊ ኽፍደ እዩ” ድማ በለን።
ደቂ ሴት
25ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ። 26ሴት ድማ ወዲ ተወለደሉ፤ ሄኖስ ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ሽዑ ሰባት ብስም እግዚኣብሄር ክፅውዑ ጀመሩ።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in