ዮሃንስ 17
17
ኢየሱስ ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝፀለየ
1ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ! እንሆ፥ እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ ወድኻ ምእንቲ ከኽብረካስ፥ ንወድኻ ኣኽብሮ፤ 2ነዞም ዝሃብካዮ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽህቦም፥ ንእኡ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወዲ ሰብ ስልጣን ሂብካዮ ኢኻሞ። 3#1 ዮሓ. 5፡11-13። ናይ ዘለኣለም ህይወት ከዓ፥ በይንኻ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ንዝኾንካን፥ ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምፍላጥ እዩ። 4ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈፂመ፥ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ እየ፤ 5#ዮሓ. 1፡1-2። ኦ ኣቦ! ሕዚ ድማ በቲ ዓለም እንተይተፈጥረ፥ ኣባኻ ብዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ። 6#ዮሓ. 6፡37፥44። ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት፥ ስምካ ገለፅኩሎም። ናትካ ነበሩ፤ ንኣይ ድማ ሃብካኒ፤ ቃልካውን ሓለዉ። 7እቲ ዅሉ ዝሃብካኒ፥ ካባኻ ምዃኑ ሕዚ ፈለጡ። 8#ዮሓ. 16፡27፥ 1 ዮሓ. 4፡14። እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብኩዎም፤ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝመፃእኹ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፤ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ። 9ኣነ ምእንትኣቶም እልምን ኣለኹ። ናትካ እዮም እሞ፥ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፥ ምእንቲ ዓለምስ ኣይልምንን እየ። 10#ዮሓ. 16፡15። ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፤ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፤ ኣነውን ብኣኣቶም እኸብር ኣለኹ። 11#ዮሓ. 10፡30። ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፤ ኣነውን ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ! ነቶም ዝሃብካኒ፥ ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ብስምካ ሓልዎም። 12#ዮሓ. 6፡70፥ 18፡9። ኣነ ምስኣቶም ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ነቶም ዝሃብካኒ በቲ ስምካ፥ ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፤ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ እንትርፊ እቲ ወዲ ጥፍኣት፥ ካብኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ የለን። 13#ዮሓ. 15፡11። ሕዚ ግና ናባኻ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓጐሰይ ኣብኣቶም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ድማ፥ እዙይ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣለኹ። 14#ዮሓ. 15፡19። ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፤ ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑን እሞ፥ ዓለም ፀልኦም። 15#ማቴ. 6፡13። ካብ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር፥ ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ። 16ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑንሞ። 17#ዮሓ. 15፡3፥ ያቆ. 1፡18። በቲ ሓቅኻ ቐድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ። 18#ዮሓ. 20፡21። ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፥ ከምኡ ኣነውን ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። 19#1 ቆሮ. 1፡30፥ ዕብ. 10፡10። ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ፥ ኣነ ምእንትኣቶም ንርእሰይ እቕድስ ኣለኹ።
20“ምእንቲ እቶም ብቓሎም፥ ብኣይ ዝኣምኑውን እምበር፥ ምእንቲ እዚኣቶም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ። 21#1 ዮሓ. 1፡3። ኦ ኣቦ! ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፥ ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ፥ ኵላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ንስኻ ኣባይ ከም ዘለኻ፥ ኣነውን ኣባኻ ኸም ዘለኹ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም፥ ኣባና ምእንቲ ክኾኑ እልምን ኣለኹ። 22#2 ቆሮ. 5፡18። ንሕና ሓደ ኸም ዝኾንና፥ ንሳቶምውን ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም። 23እዙይ ድማ ኸምቲ ኣነ ኣብኣቶም፥ ንስኻውን ኣባይ ዝኾንካ፥ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ፤ ከምኡ ድማ ንኣይ ከም ዝለኣኽካኒ፥ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን፥ ንኣኣቶም ከም ዘፍቀርካዮም፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ እዩ። 24#ዮሓ. 12፡26፥ 14፡3። ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፥ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ። 25#ዮሓ. 8፡55፥ 16፡27። ኦ ፃድቕ ኣቦ! ዓለም ኣይፈለጠካን፤ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣለኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። 26#ዮሓ. 1፡18፥ ገላ. 2፡20። እታ ንኣይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽትህሉ፥ ኣነውን ኣብኣቶም ምእንቲ ኽነብር፥ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፤ ከፍልጦምውን እየ።”
Currently Selected:
ዮሃንስ 17: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: