ሉቃስ 3
3
ስብከት መጥምቕ ዮሃንስ
(ማቴ. 3፡1-12፥ ማር. 1፡1-8፥ ዮሓ. 1፡19-28)
1ጢባርዮስ ቄሳር ካብ ዝነግስ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፥ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ፥ #3፡1 ኣብ ገሊላ፦ ግእዝ “ንጉስ ገሊላ” ይብል። ፊልጶስ ሓዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን፥ ሊሳንዮስ ድማ ኣብ ሰቢላኒስ ገዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ፥ 2ሃናን ቀያፋን ከዓ ሊቃነ ካህናት ኣብ ዝነበሩሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መፀ። 3#ሉቃ. 1፡77። ንሱ ድማ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸ፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ። 4እዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ፦
“ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥
ጐደና እግዚኣብሄር ኣመዓራርዩ፤
መንገድታቱውን ኣቕንዑ፤
5ኵሉ ጕድጓድ ይምላእ፤
ኵሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል፤
ኵሉ ጥውይዋይ ዝኾነ ይቕናዕ፤
ድንጉር ይተኻኸል፤
6 #
ኢሳ. 40፡3-5። ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ምድሓን እግዚኣብሄር ይርአ፤” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥
7ዮሃንስ ነቶም ክጥመቑ ናብኡ ዝመፁ ሰባት “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ኽተምልጡኸ፥ መን ሓበረኩም? 8#ማቴ. 7፡20፥ ሉቃ. 19፡1-10፥ ኢሳ. 1፡16-18። እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ። 9#ማቴ. 3፡7-10። እንሆ ማሕፀ ኣብ ሱር #3፡9 ሱር፦ ግእዝ “ጕንዲ” ይብል። ኣእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ፥ ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረፅ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ” ይብሎም ነበረ።
10 #
ግ.ሓ. 2፡37። እቶም ህዝቢ ድማ “እንታይ ደኣ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። 11#1 ዮሓ. 3፡17። ንሱ ኸዓ “ክልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም። 12#ሉቃ. 7፡29። ተቐበልቲ ቐረፅ ድማ ኽጥመቑ መፂኦም “ኦ መምህር፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። 13ንሱ ድማ “ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕልፊ ኣይትውሰዱ” በሎም። 14#ኢሳ. 56፡1። ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም።
15 #
ዮሓ. 3፡28። እቶም ህዝቢ ኣብ ትፅቢት ነበሩሞ፥ ኵሎም ንዮሃንስ “እዙይ እቲ ክርስቶስ ደኾን ይኸውን?” እናበሉ ብልቦም ይሓስቡ ነበሩ። 16ዮሃንስ ከዓ “ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን፥ ከጥምቐኩም እዩ። 17#ማቴ. 3፡11-12፥ ማር. 1፡7-8፥ ዮሓ. 1፡24-28። ንሱ ዓውዱ ዘፅርየሉ፥ እኽሉ ናብ ቆፎኡ ዝኸተሉ መስአ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣሎ። ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
18ካልእውን ብዙሕ ነገር፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮምን የብስሮምን ነበረ። 19እንተ ኾነ ዮሃንስ፥ ንንጉስ ሄሮድስ #3፡19 ንጉስ ሄሮድስ፦ ግሪክ “ሄሮድስ በዓል ርባዕ ሹመት” ይብል። ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ሄሮድስ ዝገበሮ ኽፉእ ነገርን ይግስፆ ስለ ዝነበረ፥ 20#ማቴ. 14፡3-4፥ ማር. 6፡17-18። ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ እዙይ ወሲኹ #3፡20 ኣብ ግእዝ “ተቐየሞ” ዝብል ይርከብ። ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ።
ጥምቀት ኢየሱስን ትውልዱን
(ማቴ. 3፡13-17፥ 1፡1-17፥ ማር. 1፡9-11)
21ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ክፅሊ እንተሎ፥ ሰማይ ተኸፍተ። 22#ሉቃ. 1፡35፥ 9፡35። መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ።
23ሽዑ ኢየሱስ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍውን ይመስሎም ነበረ፤
24ወዲ ኤሊ፥ ወዲ ማቲ፥ ወዲ ሌዊ፥
ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ዮና፥ ወዲ ዮሴፍ፥
25ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ኣሞፅ፥ ወዲ ናሆም፥
ወዲ ኤሲሊ፥ ወዲ ናጌ፥
26ወዲ ማኣት፥ ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ሴሜይ፥
ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮዳ፥
27ወዲ ዮናን፥ ወዲ ሬስ፥
ወዲ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያል፥ ወዲ ኔሪ፥
28ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ሓዲ፥ ወዲ ዮሳ ወዲ ቆሳም፥
ወዲ ኤልሞዳም፥ ወዲ ኤር፥
29ወዲ ዮሴዕ፥ ወዲ ኤልኣዘር፥
ወዲ ዮራም፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ሌዊ፥
30ወዲ ስምኦን፥ ወዲ ይሁዳ፥ ወዲ ዮሴፍ፥
ወዲ ዮናን ወዲ ኤልያቄም፥
31ወዲ ሜልያ፥ ወዲ ማይናን፥ ወዲ ማጣት፥
ወዲ ናታን፥ ወዲ ዳዊት፥
32ወዲ እሴይ፥ ወዲ ኢዮቤድ፥
ወዲ ቦኤዝ፥ ወዲ ሰልሞን፥ ወዲ ነኣሶን፥
33ወዲ ኣሚናዳብ፥ ወዲ ኣራም፥ ወዲ ኣሮኒ፥
ወዲ ኤስሮም፥ ወዲ ፋሬስ፥ ወዲ ይሁዳ፥
34ወዲ ያእቆብ፥ ወዲ ይስሓቅ፥ ወዲ ኣብርሃም፥
ወዲ ታራ፥ ወዲ ናኮር፥
35ወዲ ሴሮሕ፥ ወዲ ራግው፥ ወዲ ፋሌቅ፥ ወዲ ኤቤር፥
ወዲ ሳላ፥
36ወዲ ቃይንም፥ ወዲ ኣርፋክስድ፥
ወዲ ሴም፥ ወዲ ኖህ፥ ወዲ ላሜህ፥
37ወዲ ማቱሳላ፥ ወዲ ሄኖክ፥ ወዲ ያሬድ፥
ወዲ መላልኤል፥ ወዲ ቃይናን፥
38 #
ማቴ. 1፡1-17። ወዲ ሄኖስ፥ ወዲ ሴት፥ ወዲ ኣዳም፥
ወዲ እግዚኣብሄር።
Currently Selected:
ሉቃስ 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in