ሉቃስ 5
5
ቀዳሞት ደቀ መዛሙርት
(ማቴ. 4፡18-22፥ ማር. 1፡16-20)
1 #
ዮሓ. 21፡1-11፥ 1፡35-42። ብዙሓት ህዝቢ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ ናብኡ እናተዳፍኡዎ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ጌንሴሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። 2ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ፥ ክልተ ጃልባታት ደው ኢለን ረአየ፤ እቶም ኣስገርቲ ዓሳ ድማ፥ ካብኣተን ወሪዶም መርበቦም ይሓፅቡ ነበሩ። 3#ማር. 3፡9። ካብተን ጃልባታት ኣብ ሓዲአን፥ ኣብታ ናይ ስምኦን ጃልባ ደዪቡ፥ ካብ ምድሪ ቑሩብ ኣርሕቕ ከብላ ጠየቖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ። 4ትምህርቱ ምስ ወድአ ኸዓ ንስምኦን “ናብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ቕርብ በል እሞ፥ ዓሳ ኽተስግሩ መርበብኩም ኣውርዱ” በሎ። 5ስምኦን ድማ “መምህር፥ ምሉእ ለይቲ ፅዒርና ዝሓዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና፥ ነዝ መርበብ ኣውርዶ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። 6ከምኡ ምስ ገበሩ ኸዓ፥ እቲ መርበቦም ክሳዕ ዝብተኽ፥ ብዙሓት ዓሳታት ሓዙ። 7ነቶም ኣብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብፆቶም፥ መፂኦም ክሕግዝዎም ፀውዕዎም። መፂኦም ድማ፥ ክልቲአን ጃልባታት፥ ንምጥላቕ ክሳዕ ዝቐርባ መልእወን። 8ስምኦን ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ኦ ጐይታ! ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፥ ካባይ ተፈለ” በሎ። 9እዙይ ከዓ ንሱን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ በቲ ኸስግሩ እንተለዉ ዝሓዝዎ ዓሳ ስለ ዝተገረሙ እዩ። 10#ኢሳ. 6፡5። ከምኡውን እቶም ብፆት ስምኦን ዝነበሩ፥ ደቂ ዘብዴዎስ ያእቆብን ዮሃንስን ተገረሙ። ኢየሱስ ከዓ ንስምኦን “ኣይትፍራሕ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ኣስጋሪ ሰብ ክትከውን ኢኻ” በሎ። 11#ሉቃ. 5፡28፥ 18፡28። ንሳቶም ከዓ ጃልባታቶም ናብ ምድሪ ኣውፂኦም፥ ንዅሉ ሓዲጎም ተኸተልዎ።
ኢየሱስ ንሓደ ለምፃም ከም ዘንፅሀ
(ማቴ. 8፡1-4፥ ማር. 1፡40-45)
12ኢየሱስ ካብተን ከተማታት ኣብ ሓዲአን እንተሎ፥ እንሆ ዅሉ ሰብነቱ ለምፂ #5፡12 ለምፂ፦ እዝ ቓል እዙይ ብግሪክ ንኵሉ ሕማም ቈርበት ዝኾነ ዝወሃብ ዝነበረ እዩ እሞ፥ ግድን ለምፂ ማለት ኣይኮነን። ሌዋ. 13 ረአ። ዝሓዞ፥ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መፀ፤ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ብግምባሩ ተደፊኡ፥ “ኦ ጐይታ! እንተ ፈቒድካስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ። 13ኢየሱስ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ “ፍቓደይ እዩ፤ ንፃህ!” ኢሉ ዳህሰሶ፤ እቲ ለምፂ ዝሓዞ ሰብ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ። 14#ዘሌ. 14፡2፥ ማቴ. 8፡4፥ ሉቃ. 17፡14። ንሱ ኸዓ “ኪድ፥ ንባዕልኻ ብዛዕባኡ ኣርኢ፤ ስለ ዝነፃህካ ድማ፥ ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኾኖም፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መስዋእቲ ኣቕርብ እምበር፥ ንሓደኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣዘዞ።
15 #
ማቴ. 4፡24፥ ዮሓ. 6፡2። ዝናኡ ግና የመና ገኒኑ ተሰምዐ፤ ብዙሓት ህዝቢ እውን ክሰምዕዎን፥ ካብ ሕማሞም ክፍወሱን ናብኡ ተኣከቡ። 16ንሱ ግና ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ይፅሊ ነበረ።
ኢየሱስ ንሓደ መፃጕዕ ከም ዘሕወየ
(ማቴ. 9፡1-8፥ ማር. 2፡1-12)
17ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ክምህር እንተሎ፥ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን፥ ይሁዳን፥ ካብ ኢየሩሳሌምን፥ ዝመፁ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን፥ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ እቲ ሕሙማት ዘሕውየሉ ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ምስኡ ነበረ። 18እንሆ ኸዓ ሰባት ሓደ መፃጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምፅኡ፤ ኣብ ገዛ ኣእትዮምውን ንኽፍውሶ ኣብ ቅድሚኡ ኸንብርዎ ይደልዩ ነበሩ። 19ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘእትውዎ ምስ ተሸገሩ፥ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ፥ ነቲ ሰርወ ኣልዒሎም፥ ምስ ዓራቱ ናብ ውሽጢ ገዛ ኣውሪዶም፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣንበርዎ። 20#ማቴ. 8፡13። ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ሪኡ “ኣታ ሰብኣይ፥ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ። 21#ሉቃ. 7፡47፥ መዝ. 130፡4። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግና “እዝ ንእግዚኣብሄር ዝፀርፍ ዘሎ መን እዩ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄርከ፥ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ኽሓስቡ ጀመሩ። 22ኢየሱስ ከዓ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ኢልኩም ትሓስቡ? 23#ሉቃ. 6፡8። ኣየናይ ይቐልል? ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ’ ምባልዶ ወይ፥ ‘ተሲእኻ ኺድ’ ምባል? 24#ማቴ. 28፡18፥ ዮሓ. 5፡11። እምበኣር፥ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ” ኢሉ ነቲ መፃጕዕ፥ “ንኣኻ እብለካ ኣለኹ፥ ተስእ እሞ ዓራትካ ፆይርካ ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ። 25#ሉቃ. 2፡20። ንሱ ድማ ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ብድድ ኢሉ፥ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ፆይሩ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ፥ ናብ ገዛኡ ኸደ። 26ኵሎም ድማ ተገረሙ፤ ፍርሓትውን ሓደሮም፤ “ሎምስ ዘደንቕ ነገር ርኢና!” እናበሉ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።
ማቴዎስ ዝተብሃለ ሌዊ ኸም ዝተፀውዐ
(ማቴ. 9፡9-13፥ ማር. 2፡13-17)
27ድሕሪዙይ ካብኡ ምስ ወፀ፥ ሌዊ ንዝበሃል ተቐባሊ ቐረፅ፥ ኣብ መቐበሊ ቀረፅ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፥ “ተኸተለኒ!” በሎ፥ 28#ሉቃ. 5፡11። ተሲኡ ኸዓ ንዅሉ ሓዲጉ ተኸተሎ። 29#ሉቃ. 15፡1-2። ሌዊ ድማ ንኢየሱስ፥ ኣብ ገዛኡ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ፤ ብዙሓት ተቐበልቲ ቐረፅን፥ ካልኦት ሰባትን ምስኣቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ነበሩ። 30#ሉቃ. 7፡34፥ 19፡7። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ምስ ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን፥ ትበልዑን ትሰትዩን ኣለኹም?” እናበሉ ኣጕረምረሙ። 31ኢየሱስ ከዓ “ንሓኪም ሕሙማት እምበር፥ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። 32#ሉቃ. 15፡7። ንሓጥኣን ናብ ንስሃ እምበር፥ ንፃድቃን ክፅውዕ ኣይመፃእኹን” ኢሉ መለሰሎም።
ብዛዕባ ፆም ዝቐረበ ጥያቐ
(ማቴ. 9፡14-17፥ ማር. 2፡18-22)
33ንሳቶም ድማ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ጊዜ ይፆሙ፤ ፀሎትውን ይገብሩ፤ ደቀ መዛሙርት ፈሪሳውያንውን ከምኡ፤ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ስለ ምንታይ ይበልዑን ይሰትዩን?” በልዎ። 34ኢየሱስ ከዓ “ኣዕርኽቲ መርዓዊ፥ እቲ መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽፆሙ ኣይኽእሉን። 35#ሉቃ. 9፡22። ግና እቲ መርዓዊ፥ ካብኣቶም ዝውሰደሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ እሞ፥ ሽዑ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ክፆሙ እዮም” በሎም። 36ከምዙይ ኢሉ ድማ መሰለሎም፥ “ሓድሽ ቍራፅ መልገባ፥ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓደኳ የለን፤ እንተ ኾይኑውን፥ እቲ ሓድሽ መልገባ፥ ምስቲ ብላይ ስለ ዘይሰማማዕ፥ እቲ ሓድሽ ቍራፅ መልገባ፥ ነቲ ብላይ ይቐዶ። 37ንሓድሽ ወይኒ እውን፥ ኣብ ብላይ ሓርቢ ዝመልእ የለን፤ እንተ ኾይኑውን፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ፥ ነቲ ሓርቢ ይቐዶ፤ እቲ ወይኒ እውን፥ ይፈስስ፤ እቲ ሓርቢ ድማ ይበላሾ። 38ንሓድሽ ወይንስ፥ ኣብ ሓድሽ ሓርቢ እዮም ዝመልእዎ። #5፡38 ኣብ ግእዝን ገሊኣቶም ብራናታትን “ክልቲኦም ከዓ ይተሓላለዉ” ዝብል ይርከብ። 39ከራሚ ወይኒ እናሰተየ፥ ነቲ ኸራሚ ወይኒ ደኣ ጥዑም ይብል እምበር፥ ሓድሽ ወይኒ ዝደሊ የለን።”
Currently Selected:
ሉቃስ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: