ሉቃስ መእተዊ
መእተዊ
ወንጌል ሉቃስ ንኢየሱስ እቲ ኽመፅእ ዝነበሮ መድሓኒ እስራኤልን፥ መድሓኒ ዅሎም ደቂ ሰብን ገይሩ የቕርቦ። ሉቃስ፥ ኢየሱስ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝተፀውዐ ምዃኑን፥ እዝ ወንጌል እዙይ ድማ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ፀገም ሰባት ዘቃልል ምዃኑን ይገልፅ።
ኣብ ወንጌል ሉቃስ ንታሕጓስ፥ ዓብዪ ቦታ ተውሂብዎ ንሪኦ፤ እዙይ ከዓ ብፍላይ፥ ኣብቲ ብዛዕባ ምምፃእ ኢየሱስ ዝእውጅ ናይ መጀመርታ ምዕራፋትን፥ ኣብቲ ኢየሱስ ናብ ሰማይ ምዕራጉ ዝነግር፥ መወዳእታ ምዕራፋትን ተገሊፁ ንረኽቦ።
ኢየሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፥ እምነት ክርስትና ብኸመይ ከም ዝዓበየን ዝሰፍሐን ዝገልፅ ታሪኽ ድማ፥ ብሉቃስ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣለና።
2ይን 6ይን ክፍሊ ትሕዝቶ፥ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ጥራሕ ዝርከብ እዩ። እዙይ ድማ ኢየሱስ ምስ ተወለደ፥ መላእኽቲ መዝሙር ከም ዝዘመሩ፥ ጓሶት ከይዶም ከም ዝረአይዎ፥ ኢየሱስ ህፃን እንተሎ ናብ ቤተ መቕደስ ከም ዝኸደ፥ ምስላ ርህሩህ ሳምራውን ዝጠፍአ ወድን እዩ። ከምኡውን ኣብዝ ወንጌል እዙይ፥ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ብዛዕባ ፀሎት፥ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ፥ ኣንስቲ ኣብ ኣገልግሎት ኢየሱስ ዘለወን ብፅሒት፥ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ከም ዝሓድግ፥ ብንፁር ተፅሒፉ ንረኽቦ።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-4
2. ናይ መጥምቕ ዮሃንስን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ልደትን ኣተዓባብያን 1፡5-2፡52
3. ኣገልግሎት መጥምቕ ዮሃንስ፥ 3፡1-20
4. ጥምቀት ኢየሱስን ፈተናኡን፥ 3፡21-4፡13
5. ኣገልግሎት ኢየሱስ ኣብ ገሊላ 4፡14-9፡50
6. ኢየሱስ ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ጕዕዞ 9፡51-19፡27
7. ኣብ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ዘሕለፋ መወዳእታ ሰሙን 19፡28-23፡56
8. ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤን ብተደጋጋሚ ኸም ዝተርኣየን ዕርገቱን 24፡1-53
Currently Selected:
ሉቃስ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in