YouVersion Logo
Search Icon

ማርቆስ 7

7
ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ስርዓት ሰብን
(ማቴ. 15፡1-9)
1ፈሪሳውያንን ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ መምህራን ሕግን ናብኡ ተኣከቡ። 2ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣእዳዎም እንተይተሓፀቡ #7፡2 ኣእዳዎም፦ ኣብ ግእዝ “ዝረኸሳ ኣእዳውውን” ይብል። እንጀራ እንትበልዑ ረአይዎም። 3ኵሎም ፈሪሳውያንን ኣይሁድን፥ ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣእዳዎም ኣፀቢቖም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩሞ። 4ካብ ዕዳጋ እንትምለሱውን ኢዶም እንተይተሓፀቡ ኣይበልዑን ነበሩ፤ #7፡4 ግእዝ “ካብ ዕዳጋ ንዘምፅእዎውን ማይ እንተይነፀጉሉ ኣይበልዑን ነበሩ” ዝብል ይርከብ። ካልእውን ብዙሕ ከም ምሕፃብ መሳተያን ኣቑሑ ገዛን ዓታሩን ዓራታትን ዝመስል ክሕልውዎ ዝወረስዎ ልማድ ነበሮም።
5መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ “ስለ ምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ዓበይቲ ዘይሕልዉ? ስለ ምንታይከ ኣእዳዎም እንተይተሓፀቡ እንጀራ ዝበልዑ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 6-7#ኢሳ. 29፡13፥ ቲቶ 1፡13-14። ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ግብዛት! ከምቲ ፅሑፍ፦
‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤
ልቡ ግና ኻባይ የመና ዝረሓቐ እዩ፤
ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥
ብኸንቱ የምልኹኒ’
ኢሉ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ፅቡቕ ተነበየ።
8“ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓዲግኩም፥ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም፤ [ከም ምሕፃብ መሳተያን፥ ካልእ ኣቑሑ ገዛን፥ ካልእ ድማ ነዙይ ዝመስልን ትገብሩ ኣለኹም።] 9ናይ ባዕልኻትኩም ስርዓት እናሓለኹም፥ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ኽትጥሕሱ ግቡእ ድዩ? 10#ዘፀ. 20፡12፥ ዘሌ. 20፡9። ሙሴ፥ ‘ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር፤ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሕማቕ ቃል ዝተዛረበ ብርግፅ ይቀተል’ ኢሉ ኣሎ። 11ንስኻትኩም ግና ኸምዙይ ትብሉ፦ እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ‘እቲ ኻባይ ዝግብአኩም ሓገዝ፥ ቍርባን እዩ፤’ ማለት፥ መባእ ይኹነለይ እንተ በሎም፥ 12ደጊም ነቦኡ ወይ ንኖኡ ሓደ ነገርኳ ኽገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። 13ስለዙይ ድማ ነቲ ዝሰራዕኹምዎ ስርዓት ክትብሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ትጥሕሱ ኣለኹም፤ ከምኡውን ነዙይ ዝመስል ብዙሕ ትገብሩ ኣለኹም።”
ንሰብ ዘርክሶ ነገር
(ማቴ. 15፡10-20)
14ኢየሱስ መሊሱ ነቶም ህዝቢ ናብኡ ፀዊዑ፦ “ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ኣስተውዕሉውን። 15ካብ ሰብ ዝወፅእ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዝኣቱስ ከርክሶ ኣይኽእልን እዩ፤ 16ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም። 17ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ፥ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ምስላ እዙይ ጠየቕዎ። 18ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩምውንዶ ክሳዕ ክንድዙይ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ኵሉ ካብ ወፃኢ ናብ ኣፍ ሰብ ዝኣቱ፥ ንሰብ ከም ዘየርክሶ ኣይትፈልጡን ዲኹም? 19ብኸብዲ ኣቢሉ ንደገ እዩ ዝወፅእ እምበር ናብ ልቢ ኣይኣቱን፤ ንዅሉ መብልዕ እናፃረየ ድማ ናብ ደገ ይወፅእ።” 20ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሰብ ዘርክሶ፥ እቲ ኻብ ሰብ ዝወፅእ እዩ። 21#ሮሜ 1፡28-31። ካብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ቅትለት፥ 22ዝሙት፥ ከትሪ፥ ስስዐ፥ ተንኰል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ስንፍና ይወፅእ። 23እዝ ዅሉ ኽፍኣት ካብ ውሽጢ እዩ ዝወፅእ፤ ንሰብ ከዓ የርክሶ።”
እምነት ሓንቲ ሰበይቲ
(ማቴ. 15፡21-28)
24ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን፤ እንተ ኾነ ኽሕባእ ኣይከኣለን። 25ሽዑ ኸዓ ጓላ ርኹስ መንፈስ ዝሓደራ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብዛዕባኡ ሰሚዓ መፀት፤ ኣብ እግሩ ተደፊኣውን ሰገደትሉ። 26እታ ሰበይቲ ኣብ ሲሮፊንቂያ ዝተወለደት ግሪካዊት ነበረት። ካብ ጓላ ጋኔን ከውፅአላ ድማ ለመነቶ። 27ኢየሱስ ድማ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ሕደጊ፤ ቅድም እቶም ውሉድ ይፅገቡ” #7፡27 ኣብ ግእዝን ገሊኣቶም ፅሑፋትን “ሕደጊ” ዝብል ይርከብ። በላ። 28ንሳ ድማ “እወ፥ ጐይታይ! ኣኽላባትውን እንተ ኾኑ፥ ኣብ ትሕቲ ማእዲ ኾይኖም፥ ዝወደቐ ርፍራፍ ውሉድ ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰትሉ። 29ንሱ ድማ “እዝ ቓል እዙይ ብምባልኪ፥ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወፂኡ እዩ እሞ ኺዲ” በላ። 30#ዮሓ. 4፡50-51። ናብ ገዛኣ ምስ ተመለሰት ድማ፥ እቲ ጋኔን ወፂኡ፥ እታ ጓላውን #7፡30 ኣብ ግእዝ “ክዳና ተኸዲና” ዝብል ይርከብ። ኣብ ዓራት ኮፍ ኢላ ረኸበታ።
ኢየሱስ በሃምን ፀማምን ሰብ ከም ዘሕወየ
31 # ማቴ. 15፡29፥ ማር. 5፡20። መሊሱ ኻብ ሃገር ጢሮስ ወፂኡ፥ ብሲዶና ገይሩ ብማእኸል ዓሰርተ ከተማታት ዝበሃል ዓዲ፥ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። 32#ዘፀ. 4፡11። ሓደ ፀማምን በሃምን ናብኡ ኣምፂኦም ኢዱ ኸንብረሉ ለመንዎ። 33ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ ድማ፥ ኣፃብዕቱ ኣብ ኣእዛኑ ኣንበረ፤ እንትፍ ኢሉውን ንመልሓሱ ነኽኦ።
34ናብ ሰማይ ቈላሕ ኢሉ፥ ብርህራሀ ኣተንፊሱ ኸዓ “ኤፍታሕ!” በለ፤ ንሱውን “ተኸፈት” ማለት እዩ። 35#ኢሳ. 32፡4። ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፈታ፤ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፤ ኣፅርዩውን ተዛረበ። 36#ማቴ. 8፡4። ንሓደኳ ኸይነግሩ ብፅኑዕ ኣጠንቀቖም፤ እቶም ህዝቢ ግና ብመጠን እቲ ዘጠንቀቖም ኣብዚሖም ኣውረዩ። 37#ኢሳ. 35፡5-6። ንሳቶም ከዓ “ኵሉ ዝገበሮ ሰናይ እዩ፤ ንፀማማት ክሰምዑ፥ ንበሃማት ክዛረቡ ይገብሮም” እናበሉ የመና ይግረሙ ነበሩ።

Currently Selected:

ማርቆስ 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ማርቆስ 7