Λογότυπο YouVersion
Εικονίδιο αναζήτησης

ሉቃስ 18

18
ምስላ ሓንቲ መበለትን ዓመፀኛ ፈራድን
1 # ሮሜ 12፡12፥ ኤፌ. 6፡18፥ ቈላ. 4፡2፥ 1 ተሰ. 5፡17። ኢየሱስ፥ እንተይሰልከዩ ዅልሻዕ ክፅልዩ ኸም ዝግብኦም ንኸረድእ፥ ከምዙይ ኢሉ ብምስላ ተዛረቦም፦ 2“ኣብ ሓንቲ ኸተማ ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሕ፥ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር፥ ሓደ ፈራዲ ነበረ። 3ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ፥ ሓንቲ መበለት ነበረት፤ ናብኡ እናመፀት ከዓ፥ ‘ምስ ተፃራርየይ ፍረደለይ’ ትብሎ ነበረት። 4ንሱ ድማ ብዙሕ መዓልቲ ኣበያ። ብድሕሪኡ ግና ብልቡ ‘ንእግዚኣብሄር እኳ እንተ ዘይፈራሕኹ፥ ንሰብውን እንተ ዘይሓፈርኩ፥ 5#ሉቃ. 11፡8። እዛ መበለት እዚኣ ኣሸጊራትኒ እያ እሞ፥ መመሊሳ እናመፀት ከይተትክረኒ፥ ክፈርደላ ደኣ’ በለ።”
6ጐይታ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “እዝ ዓመፀኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ። 7#መዝ. 12፡5፥ 55፡16-17፥ ራእይ 6፡10። እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም? 8#1 ጢሞ. 4፡1። ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ። እንተ ኾነ፥ ወዲ ሰብ ምስ መፀስ፥ ኣብ ምድሪ እምነትዶ ኽረክብ ይኸውን?”
ፀሎት ፈሪሳውን ተቐባሊ ቀረፅን
9 # ሉቃ. 16፡15፥ ሮሜ 14፡10፥ ፊልጵ. 2፡3። ኢየሱስ ነቶም ፃድቃን ከም ዝኾኑ፥ ብባዕልቶም ዝምክሑ ንኻልኦት ግና፥ ዝንዕቑ ዝነበሩ፥ ከምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ 10“ክልተ ሰባት፥ ክፅልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ተቐባሊ ቀረፅ ነበሩ። 11#ኢሳ. 65፡5፥ ማቴ. 6፡5፥ ሉቃ. 11፡42። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቶም ካልኦት፥ ከተርቲ፥ ዓመፅቲ፥ ዘመውቲ ሰባት፥ ወይ ከምዝ ተቐባሊ ቀረፅ እዙይ ስለ ዘይኮንኩ፥ አመስግነካ ኣለኹ። 12ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እፀውም፤ ካብ ኵሉ ዘጥረኹዎውን ኣስራት ኣውፅእ’ እናበለ ፀለየ። 13#እዝራ 9፡6። እቲ ተቐባሊ ቀረፅ ግና፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቈላሕ ከብል እኳ እንተይደፈረ፥ ‘ኦ ኣምላኽ፥ ንኣይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ’ እናበለ፥ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ። 14#ማቴ. 21፡31፥ ሉቃ. 14፡11፥ 1 ጴጥ. 5፡6፥ 1 ዮሓ. 1፡8-9። ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ፥ ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ፤ ኵሉ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል፥ ክዋረድ፥ ኵሉ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ልዕል ክብል እዩ።”
ንህፃናት ኢዱ ኸም ዘንበረሎም
(ማቴ. 19፡13-15ማር. 10፡13-16)
15ኢየሱስ ንህፃናት ኢዱ ኸንብረሎም፥ ናብኡ ኣምፅእዎም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ፥ እዙይ ሪኦም ነቶም ሰባት ገሰፅዎም። 16ኢየሱስ ግና ፀዊዑ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ህፃናት ናባይ ክመፁ ኣይትኸልክልዎም። 17ንመንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ከም ህፃን ኮይኑ ዘይቕበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ሃብታምን መንግስቲ እግዚኣብሄርን
(ማቴ. 19፡16-30ማር. 10፡17-31)
18 # ሉቃ. 10፡25። ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ “ኦ ሕያዋይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፥ እንታይ ክገብር?” ኢሉ ጠየቖ። 19ኢየሱስ ከዓ፥ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? ብዘይ ሓደ እግዚኣብሄር፥ ሕያዋይ የለን። 20#ዘፀ. 20፡12-16። ነተን ‘ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር’ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ” በሎ። 21ንሱ ኸዓ “ነዙይ ኵሉስ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓልየዮ እየ” በለ። 22#ሉቃ. 12፡33። ኢየሱስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ “እምበኣር ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ዘለካ ዅሉ ሼጥኻ፥ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ። 23ንሱ ኸዓ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ የመና ሃብታም ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ሓዘነ። 24ኢየሱስ ብዙሕ ምሕዛኑ ሪኡ፥ “ሃብቲ ንዘለዎም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25ሃብታም፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” በለ። 26#ሮሜ 9፡16። እቶም ዝሰምዑ ድማ “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል?” በሉ። 27ንሱ ኸዓ “እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፥ ንእግዚኣብሄር ይከኣሎ እዩ” በሎም። 28#ሉቃ. 5፡11፥18። ሽዑ ጴጥሮስ “እንሆ ንሕና ዅሉ ሓዲግና፥ ተኸቲልናካ ኣለና” #18፡28 ኣብ ግእዝ “እንታይ ክንረክብ ኢና” ዝብል ይርከብ። በሎ። 29ንሱ ኸዓ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ኢሉ፥ ቤት ኮነ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ወለዲ፥ ወይ ውሉድ ዝሓደገ፥ 30ኣብዝ ዓለም እዙይ ብዙሕ ካዕበት፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም ከዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የለን” በሎም።
ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ንሳልሳይ ጊዜ ኸም ዝተዛረበ
(ማቴ. 20፡17-19ማር. 10፡32-34)
31ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ናብኡ ወሲዱ “እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ፥ ብነቢያት ዝተፅሓፈ ኽፍፀም እዩ። 32ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ከላግፁሉ፥ ክፀርፍዎ፥ እንትፍውን ክብሉሉ፥ 33#ሉቃ. 9፡22። ገሪፎም ድማ ኽቐትልዎ እዮም። ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ እዩ” በሎም። 34#ሉቃ. 9፡45። ንሳቶም ግና፥ ካብዝ ነገር እዙይ ሓደኳ ኣየስተውዓሉን፤ እዝ ዘረባዙይ ተሰዊርዎም ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ዝተዛረቦ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ።
ኢየሱስ ኣብ ኢያሪኮ ሓደ ዕዉር ከም ዘሕወየ
(ማቴ. 20፡29-34ማር. 10፡46-52)
35ናብ ኢያሪኮ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ሓደ ዕውር ሰብኣይ፥ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 36ህዝቢ ብእኡ ኽሓልፍ እንተሎ ድምፂ ሰሚዑ፥ “እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ። 37ንሳቶም ከዓ “እቲ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ይሓልፍ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 38#ሉቃ. 17፡13። ሽዑ ንሱ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ። 39እቶም ቅድሚት ይኸዱ ዝነበሩ፥ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ብዝበለፀ ዓው ኢሉ “ኦ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፥ ራህርሀለይ!” በለ። 40ኢየሱስ ከዓ ደው ኢሉ፥ ናብኡ ኸምፅእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ ኢየሱስ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ። 41እቲ ዕዉር ከዓ “ጐይታ! ኣዒንተይ ክሪኣ” በለ። 42#ማቴ. 8፡13። ኢየሱስ ድማ “ረአ፥ እምነትካ እያ ኣሕውያትካ” በሎ። 43#ሉቃ. 5፡25-26። ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተኸተሎ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን ነዙይ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።

Επιλέχθηκαν προς το παρόν:

ሉቃስ 18: ትመ15

Επισημάνσεις

Κοινοποίηση

Αντιγραφή

None

Θέλετε να αποθηκεύονται οι επισημάνσεις σας σε όλες τις συσκευές σας; Εγγραφείτε ή συνδεθείτε