ዮሃንስ 13
13
ኢየሱስ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝሓፀበ
1 #
ዮሓ. 15፡13፥ 16፡28፥ 17፡1፥ ኤፌ. 5፡2፥ 1 ዮሓ. 3፡16። ኢየሱስ ቅድሚ በዓል ፋሲካ፥ ካብዝ ዓለም እዙይ፥ ናብ ኣብ፥ ዝኸደላ ሰዓት ከም ዝበፅሐት ፈሊጡ፥ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም። 2እናተደረሩ እንተለዉ ድማ፥ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ከትሕዝ፥ ኣብ ልቢ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፥ ሓሳብ ኣሕዲሩ ነበረ። #13፡2 ሓሳብ ኣሕዲሩ ነበረ፦ ግእዝ “ሰይጣን ኣብ ልቢ ይሁዳ ሓደረ” ይብል። 3#ዮሓ. 3፡35፥ 16፡28። ኢየሱስ፥ ኣብ፥ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀ፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ከም ዝኸይድ ፈሊጡ፥ 4ካብ ድራር ተሲኡ፥ ክዳውንቱ ኣንበረ፤ ዕጣቕ ኣልዒሉውን ተዓጠቐ። 5#ሉቃ. 22፡27። ሽዑ ማይ ናብ መሕፀቢ ገይሩ፥ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓፅብን፥ በቲ ዝተዓጠቖ ዕጣቕ ገይሩ ኽውልውልን ጀመረ። 6ናብ ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ በፅሐ፤ ንሱ ድማ “ጐይታ፥ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሓፅበኒ ኢኻ?” በሎ። 7ኢየሱስ ድማ መሊሱ “ነዝ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ፥ ንስኻ ሕዚ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትፈልጦ ኢኻ” በሎ። 8#ቲቶ 3፡5። ጴጥሮስ ከዓ “ብፍፁም ኣእጋረይ ኣይትሓፅበንን ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እንተ ዘይሓፂበካስ፥ ምሳይ ክፍሊ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ። 9ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ጐይታ፥ እምበኣር ኣእጋረይ ጥራሕ ኣይኮነን፥ ኣእዳወይን ርእሰይንውን እምበር” በሎ። 10#ዮሓ. 15፡3። ኢየሱስ ከዓ “እቲ ዝተሓፅበ፥ ኵለንትናኡ ንፁህ እዩ እሞ፥ እንትርፊ ኣእጋሩ፥ ምሕፃብ ኣየድልዮን፤ ንስኻትኩም ከዓ ንፁሃት ኢኹም፤ ግና ዅልኻትኩም ኣይኮንኩምን” በለ። 11#ዮሓ. 6፡70። ኢየሱስ “ኵልኻትኩም ንፁሃት ኣይኮንኩምን” ዝበለ፥ እቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ፥ መን ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ።
12ኣእጋሮም ምስ ሓፀቦም ድማ፥ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፥ መሊሱ ምስኣቶም ተቐመጠ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እዝ ዝገበርኩልኩምስ፥ ኣስተውዒልኩምዎዶ ኣለኹም? 13ንስኻትኩም ‘መምህርን ጐይታን’ ኢልኩም ትፅውዑኒ፤ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ፅቡቕ በልኩም። 14#ማቴ. 20፡26-27። እምበኣር ኣነ ጐይታኹምን መምህርኩምን እንተለኹ፥ ኣእጋርኩም ካብ ሓፀብኩ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ኣእጋር ብፆትኩም ክትሓፅቡ ይግብአኩም እዩ። 15#ፊልጵ. 2፡5፥ 1 ዮሓ. 2፡6። ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርክዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ፥ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ። 16#ማቴ. 10፡24። ሓሽከር ካብ ጐይታኡ፥ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኸም ዘይበልፅ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 17#ሉቃ. 11፡28። እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም። 18#ማቴ. 26፡23፥ መዝ. 41፡9። እዙይ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣነ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ፤ ግና ‘እቲ እንጀራይ ዝበልዕ፥ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዓለ’ #13፡18 ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዓለ፦ “ፀላኢ ኾነኒ” ማለት እዩ። ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዙይ ኮነ። 19#ዮሓ. 14፡29፥ 16፡4። እቲ ነገር ምስ ኮነ፥ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ እቲ ነገር እንተይኮነ፥ ካብ ሕዚ እነግረኩም ኣለኹ። 20#ማቴ. 10፡40። ነቲ ኣነ ዝለኣኽክዎ ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ኸም ዝቕበል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
ብዛዕባ ኽሕደት ይሁዳ ኸም ዝተዛረበ
21 #
ማቴ. 26፡17-25፥ ማር. 14፡12-21፥ ሉቃ. 22፡7-14፥21-23፥ ዮሓ. 6፡70፥ 12፡27። ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ፥ ብመንፈሱ ሓዚኑ “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ዘትሕዘኒ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ። 22እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ብዛዕባ መን ከም ዝተዛረበ ስለ ዘይፈለጡ፥ ንስንሳቶም ተጠማመቱ። 23ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ፥ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ተቐሚጡ ነበረ። 24ስምኦን ጴጥሮስ “ንእኡ ብዛዕባ መን እዩ ዝዛረብ ዘሎ፥ እስኪ ጠይቆ? ኢሉ ጠቐሶ።” 25ንሱ ኸዓ ናብ ኢየሱስ ፅግዕ ኢሉ “ጐይታ፥ መን እዩ ንሱ?” ኢሉ ጠየቖ። 26ኢየሱስ ከዓ “እቲ ኣነ ቝራስ እንጀራ ፀቢሐ ዝህቦ፥ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰ፤ ሽዑ ድማ ቝራስ እንጀራ ፀቢሑ፥ ንይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ ሃቦ። 27#ሉቃ. 22፡3። ድሕሪ እታ ቝራስ እንጀራ ኸዓ፥ ሰይጣን ኣብ ይሁዳ ሓደረ። ሽዑ ኢየሱስ “ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ” በሎ። 28እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ግና፥ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ ኣይፈለጡን። 29ንገሊኣቶም ግና፥ ሙዳየ ምፅዋት ምስ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፥ ኢየሱስ “ንበዓል ዘድልየና ዓድግ” ወይ ከዓ “ንድኻታት ሃብ” ዝበሎ መሲልዎም ነበረ። 30ይሁዳውን ነታ ቝራስ እንጀራ ምስ ተቐበለ፥ ሽዑ ንሽዑ ወፀ፤ ለይቲ እውን ነበረ።
ሓድሽ ትእዛዝ
31 #
ዮሓ. 12፡23፥ 17፡1-5፥ ግ.ሓ. 3፡13። ይሁዳ ምስ ወፀ፥ ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ሕዚ ወዲ ሰብ ከበረ፤ እግዚኣብሄርውን ብእኡ ኸበረ። 32እግዚኣብሄር ብእኡ ኻብ ከበረ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንእኡ ባዕሉ ከኽብሮ እዩ፤ ቀልጢፉውን ከኽብሮ እዩ። 33#ዮሓ. 7፡33-34። ደቀይ፥ ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ከምቲ ንኣይሁድ ‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝበልክዎም፥ ንኣኻትኩምውን ሕዚ እብለኩም ኣለኹ። 34#ዮሓ. 15፡12፥ ሮሜ 13፡8፥ 1 ተሰ. 4፡9፥ 1 ጴጥ. 1፡22፥ 1 ዮሓ. 3፡11፥ ዘሌ. 19፡18። ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። 35#1 ዮሓ. 2፡5። ንስንሳትኩም ፍቕሪ እንተ ሃልዩኩም፥ ደቀ መዛሙርተይ ከም ዝኾንኩም፥ በዙይ ኵሉ ኽፈልጥ እዩ።”
ኢየሱስ፥ ጴጥሮስ ከም ዝኽሕዶ ተዛረበ
(ማቴ. 26፡31-35፥ ማር. 14፡27-31፥ ሉቃ. 22፡31-34)
36ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ፥ “ጐይታ፥ ናበይ ክትከይድ ኢኻ?” በሎ፤ ኢየሱስ ድማ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻ ሕዚ ኽትክተለኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትክተለኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 37ጴጥሮስ ከዓ “ጐይታ፥ ስለ ምንታይ እየ፥ ሕዚ ክኽተለካ ዘይክእል? ህይወተይ እንተ ኾነውን፥ ቤዛኻ ኣሕሊፈ ኽህብ እየ” በሎ። 38ኢየሱስ ድማ “ንህይወትካ ቤዛይ ክተሕልፋ ዲኻ? ደርሆ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ጊዜ ኸም እትኽሕደኒ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
Actualmente seleccionado:
ዮሃንስ 13: ትመ15
Destacar
Compartir
Copiar
¿Quieres tener guardados todos tus destacados en todos tus dispositivos? Regístrate o inicia sesión

: