1
ዮሃንስ 6:35
መፅሓፍ ቅዱስ
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።
Palyginti
Naršyti ዮሃንስ 6:35
2
ዮሃንስ 6:63
ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
Naršyti ዮሃንስ 6:63
3
ዮሃንስ 6:27
እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።
Naršyti ዮሃንስ 6:27
4
ዮሃንስ 6:40
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”
Naršyti ዮሃንስ 6:40
5
ዮሃንስ 6:29
ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።
Naršyti ዮሃንስ 6:29
6
ዮሃንስ 6:37
ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
Naršyti ዮሃንስ 6:37
7
ዮሃንስ 6:68
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?
Naršyti ዮሃንስ 6:68
8
ዮሃንስ 6:51
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
Naršyti ዮሃንስ 6:51
9
ዮሃንስ 6:44
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
Naršyti ዮሃንስ 6:44
10
ዮሃንስ 6:33
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም።
Naršyti ዮሃንስ 6:33
11
ዮሃንስ 6:48
ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ።
Naršyti ዮሃንስ 6:48
12
ዮሃንስ 6:11-12
ኢየሱስ ነተን እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ዝተቐመጡ ሰባት ሃብዎም፤ ነቶም ዓሳታትውን ከምኡ ኸከምዝደልዩዎ ሃብዎም። በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብኡ ሓደኳ ኸይባኽን፥ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም።
Naršyti ዮሃንስ 6:11-12
13
ዮሃንስ 6:19-20
ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ፥ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦም ፈርሑ። ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።
Naršyti ዮሃንስ 6:19-20
Pradžia
Biblija
Planai
Vaizdo įrašai