Logoja YouVersion
Ikona e kërkimit

ዘፍጥረት 12

12
እግዚኣብሄር ንኣብራም ከም ዝፀውዖ
1 # ግ.ሓ. 7፡2-3፥ ዕብ. 11፡8። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ከምዙይ በሎ፦ “ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ኸዓ ኺድ።
2ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤
ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤
ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።
3 # ገላ. 3፡8። ንዝባርኹኻ ኽባርኾም፥
ንዝረግሙኻ ድማ ኽረግሞም እየ፤
ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም።”
4ኣብራም ከዓ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸደ፤ ሎጥውን ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ክወፅእ እንተሎ፥ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። 5ኣብራም ድማ ንሶራ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን፥ ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ሰባትን ሒዙ፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸይድ ወፀ፤ ኣብ ምድሪ ከነዓን ከዓ በፅሐ።
6ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ሓሊፉ ናብታ ሴኬም እትበሃል ቦታ፥ ናብታ ዓባይ ኦም ሞሬ በፅሐ። በቲ ዘመን እቱይ ድማ ከነዓናውያን ኣብታ ምድሪ ነበሩ። 7#ግ.ሓ. 7፡5፥ ገላ. 3፡16። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተርኣዮ እሞ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ” በሎ። ኣብራምውን ነቲ ዝተርኣዮ እግዚኣብሄር፥ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐሉ። 8ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤቴል ዘሎ እምባ ተጕዓዘ፤ ኣብኡ ድማ ድንኳኑ ተኸለ እሞ፥ ቤቴል ብወገን ምዕራቡ፥ ጋይ ከዓ ብወገን ምብራቑ ኾና። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርበሉ መሰውኢ ሰርሐ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ፀውዐ። 9ኣብራም ድማ ተልዒሉ ኸደ። ናብ ነጌብ #12፡9 ነጌብ፦ ብዕብራይስጢ “ደቡባዊ ሃገር” ማለት እዩ። ኣቢሉውን ተጕዓዘ።
ኣብራም ናብ ግብፂ ኸም ዝወረደ
10 # ዘፍ. 2፡10። ኣብታ ምድሪ ከዓ ጥሜት ኮነ። ኣብታ ምድሪ ጥሜት ስለ ዝበርትዐ ድማ፥ ኣብራም ኣብኣ ኽቕመጥ ናብ ግብፂ ተሰዲዱ ኸደ። 11ናብ ግብፂ ኽኣቱ ምስ ቀረበ፥ ንሰበይቱ ሶራ “እንሆ፥ መልክዐኛ ሰበይቲ ኸም ዝኾንኪ ኣነ እፈልጥ እየሞ፥ 12ግብፃውያን ምስ ረአዩኺ ድማ ‘ሰበይቱ እያ’ ኽብሉ እዮም፤ ንኣይ ቀቲሎም ከዓ ንኣኺ ብህይወት ክሓድጉኺ እዮም። 13#ዘፍ. 20፡2፥ 26፡7። እምበኣር ንኣኺ ኽብሉ ብፅቡቕ ምእንቲ ኽቕበሉኒ፥ ኣነ ድማ ብኣኺ ምእንቲ ኽድሕንስ፥ ‘ሓፍቱ እየ’ ደኣ በሊ” በላ። 14ኣብራም ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን እታ ሰበይቲ የመና መልክዐኛ ምዃና ረአዩ። 15ሹመኛታት ፈርዖን ምስ ረአይዋ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣድነቑዋ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖንውን ወሰድዋ። 16ፈርዖን ድማ ምእንቲ ሶራ ኢሉ ንኣብራም ፅቡቕ ገበረሉ። ኣብራም ከዓ ኣገልገልቲ ኣወዳትን ኣንስትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣብዑርን፥ ኣእዱግን፥ ኣግማልን ነበርዎ።
17እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሶራ ሰበይቲ ኣብራም፥ ንፈርዖንን ንቤቱን ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ቐፅዖም። 18ፈርዖን ድማ ንኣብራም ናብኡ ፀዊዑ፥ “እዝ ኣባይ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኻኸ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ? 19ስለ ምንታይከ ሓፍተይ እያ በልካ? ሰበይተይ ክትከውን ወሲደያ ነይረ። ሕዚ ግና እኒሃትልካ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ” በሎ። 20ፈርዖን ድማ ንሓሻኽሩ ንኣብራም ከፋንውዎ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉ ጥሪቱን ኣፋነውዎም።

Aktualisht i përzgjedhur:

ዘፍጥረት 12: ትመ15

Thekso

Ndaje

Copy

None

A doni që theksimet tuaja të jenë të ruajtura në të gjitha pajisjet që keni? Regjistrohu ose hyr