Logoja YouVersion
Ikona e kërkimit

ሉቃስ 17

17
መዐንቀፊ፥ ይቕረታ፥ እምነት
(ማቴ. 18፡6-721-22ማር. 9፡42)
1ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “መዐንቀፊ ግድን እንተይመፀ ኣይተርፍን እዩ፤ ነቲ ብሰንኩ መዐንቀፊ ዝመፅእ ግና ወይለኡ! 2#ማቴ. 18፡6። ኻብዞም ኣናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘስሕትስ፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ናብ ባሕሪ ኽድርበ ምሐሾ። 3#ማቴ. 18፡15፥ ቈላ. 3፡13። ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ሓውካ እንተ በደለካ ገስፆ፤ እንተ ተናስሐ ሕደገሉ፤ 4#ማቴ. 18፡21-22። ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ እንተ በደለካ፥ ተናሲሐ እናበለውን፥ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ ናባኻ እንተ ተመለሰ፥ ይቕረ በለሉ።”
እምነትን ተኣዛዝነትን
5 # ማር. 9፡24። ሃዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ። 6#ማቴ. 17፡20። ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፦ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ እትህልወኩምስ፥ ነዝ ሳግላዙይ ካብ ሱርካ ተበቊስካ፥ ኣብ ባሕሪ ተተኸል እንተ እትብልዎ ምተኣዘዘኩም ነይሩ” በሎም።
7“ካባኻትኩምከ ዝሓርስ ወይ ዝጓሲ ሓሽከር ዘለዎ እሞ፥ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ሽዑ ንሽዑ ‘ክትድረር ተቐመጥ’ ዝብሎ መን እዩ? 8‘ድራር ኣዳልወለይ፤ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከዓ፥ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፤ ድሕሪኡ ንስኻውን ብላዕ፥ ስተ እንዶ ኣይኮነን’ ዝብሎ? 9ወይ ከዓ እቲ ሓሽከር እቱይ፥ ዝተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ የመስግኖዶ ይመስለኩም? #17፡9 ኣብ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክ “ኣይመስለንን” ዝብል ይርከብ። 10#ኢዮብ 22፡3፥ ሮሜ 11፡35-36። ከምኡ ድማ፥ ንስኻትኩም ኵሉ ዝተኣዘዝኩምዎ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና፤ እቲ ኽንገብሮ ዝግብአና ኢና ዝገበርና በሉ’ በሎም።”
ዓሰርተ ለምፃማት ከም ዘሕወየ
11ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ ድማ፥ ብማእኸል ሰማርያን ገሊላን ሓለፈ። 12#ሉቃ. 5፡12፥ 18፡38። ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኽኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ርሒቖም ደው ዝበሉ፥ ዓሰርተ ለምፃማት ተራኸብዎ። 13ድምፆም ዓው ኣቢሎምውን “ኦ ኢየሱስ፥ ኦ መምህር፥ ራህርሀልና!” በልዎ። 14#ሉቃ. 5፡14። ንሱ ኸዓ ምስ ረአዮም፥ “ኪዱ፥ ንባዕልትኹም ንኻህን ኣርእዩ” በሎም። ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ ነፅሁ። 15#ሉቃ. 18፡43። ካብኣቶም ሓደ ኸም ዝሓወየ ምስ ረአየ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ ተመለሰ። 16#ሉቃ. 9፡53። እናመስገኖ ኸዓ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ብግምባሩ ተደፍአ። ንሱ ድማ ሳምራዊ ነበረ። 17ኢየሱስ ከዓ፦ “ዝነፅሁ ዓሰርተዶ ኣይነበሩን? እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? 18#ማቴ. 8፡13። እንትርፊ እዝ ኻልእ ዝዓሌቱ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ኽህብ ዝተመለሰዶ የለን?” በለ። 19ብድሕሪዙይ “ተስእ እሞ ኺድ፤ እምነትካ ኣሕውያትካ ኣላ” በሎ።
ምምፃእ መንግስቲ እግዚኣብሄር
(ማቴ. 24፡23-2837-41)
20-21 # ሉቃ. 11፡20። ፈሪሳውያን፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ እያ እትመፅእ?” ኢሎም ጠየቕዎ እሞ፥ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብምፅብባይ ኣይትመፅእን፤ ኣብዙይ እያ ወይ ኣብቱይ እያውን ኣይብልዋን። መንግስቲ እግዚኣብሄርስ፥ ኣብ ማእኸልኩም #17፡20-21 ኣብ ማእኸልኩም፦ ወይ “ኣብ ውሽጥኹም” እኒሃ” ኢሉ መለሰሎም።
22 # ማቴ. 24፡26-28፥37-41፥ ሉቃ. 5፡35፥ ዮሓ. 13፡33። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ መዓልቲታት ወዲ ሰብ፥ ሓንቲ ኽትሪኡ እትምነዩለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ግና ኣይትሪኡን ኢኹም። 23#ሉቃ. 21፡8። ‘እንሆ፥ ክርስቶስ ኣብዙይ ኣሎ’ ‘ወይ ኣብቱይ ኣሎ’ እንተ በሉኹም ኣይትኺዱ፤ ኣይትከተልዎምውን። 24መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ፥ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ፥ ከም ዝበርቕን ከም ዘብርህን፥ ወዲ ሰብ ዝመፀሉ መዓልቲ እውን ከምኡ ክኸውን እዩ። 25#ሉቃ. 9፡22። ኣቐዲሙ ግና ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ በዝ ትውልዲ እዙይውን ክነዓቕ ግድን እዩ። 26#ዘፍ. 7፥ 1 ተሰ. 5፡2-3። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝኾነ፥ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ። 27ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፥ ሰባት ይበልዑን ይሰትዩን፥ የውስቡን ይዋሰቡን ነበሩ፤ ማይ ኣይሂ መፂኡ ድማ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም። 28#ዘፍ. 19። ብዘመን ሎጥ ድማ ልክዕ ከምኡ፥ ይበልዑን ይሰትዩን፥ ይሸጡን ይዕድጉን፥ ይተኽሉን ይሃንፁን ነበሩ። 29በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወፀላ መዓልቲ ድማ፥ ካብ ሰማይ ሓዊን ዲንን ዘኒሙ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም። 30#ሉቃ. 21፡34-36። በታ ወዲ ሰብ ዝግለፀላ መዓልቲ ድማ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ። 31#ማቴ. 24፡17-18። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ ናሕሲ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ገዛኡ ዘሎ ኣቕሓ ኽወስድ ኢሉ ኣይውረድ። እቲ ኣብ ግራት ዘሎውን፥ ንድሕሪት ኣይመለስ። 32#ዘፍ. 19፡26። ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። 33#ሉቃ. 9፡24፥ ዮሓ. 12፡25። እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ዘጥፍኣ ድማ፥ ከድሕና እዩ። 34በታ ለይቲ እቲኣ፥ ክልተ ሰባት ኣብ ሓንቲ ዓራት ክድቅሱ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ሓደ ድማ ኽሕደግ እዩ። 35ክልተ ኣንስቲ ብሓባር ክጥሕና እየን፤ #17፡35 ብሓባር ክጥሕና፦ ግእዝ “ኣብ ሓንቲ መጥሓን ይጥሕና” ይብል። እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፥ እታ ኻልአይቲ ግና፥ ክትሕደግ እያ። 36ክልተ ሰባት ኣብ ሓደ ግራት ክሰርሑ እዮም፤ እቲ ሓደ ኽውሰድ፥ እቲ ኻልኣይ ክሕደግ እዩ እብለኩም ኣለኹ።” 37መሊሶም “ኦ ጐይታ፥ ኣበይከ እዩ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፥ ኣሞራታት ኣብኡ ኽእከቡ እዮም” በሎም።

Aktualisht i përzgjedhur:

ሉቃስ 17: ትመ15

Thekso

Ndaje

Copy

None

A doni që theksimet tuaja të jenë të ruajtura në të gjitha pajisjet që keni? Regjistrohu ose hyr