Chapa ya Youversion
Ikoni ya Utafutaji

ዘፍጥረት 13

13
ኣብራምን ሎጥን ከም ዝተፈላለዩ
1ኣብራም ከዓ ምስ ሰበይቱን ምስ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ግብፂ ወፂኡ ናብ ነጌብ ከደ። ሎጥውን ምስኡ ኸደ። 2ኣብራም ከዓ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን የመና ሃብታም ነበረ። 3ካብ ነጌብ ተልዒሉ ኽሳዕ ቤቴል፥ ናብታ ቕድም ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ በፅሐ። 4ንሳ ኸዓ እታ ቕድም መሰውኢ ሰሪሑላ ዝነበረ ቦታ እያ። ኣብኣ ኣብራም ስም እግዚኣብሄር ፀውዐ።
5እቲ ምስ ኣብራም ዝኸደ ሎጥ ድማ መጓሰ ኸፍትን ኣባጊዕን ድንኳናትን ነበሮ። 6ጥሪቶም ብዙሕ ስለ ዝነበረ ድማ ምድሪ ፀበቦም፤ በዝ ምኽንያት እዙይ ብሓደ ኽነብሩ ኣይከኣሉን። 7ኣብ መንጎ ጓሶት ከፍቲ ኣብራምን፥ ጓሶት ከፍቲ ሎጥን ባእሲ ኾነ። በቲ ዘመን እቱይ ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ።
8ኣብራም ከዓ ንሎጥ “ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፥ በይዛኻ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ባእሲ ኣይኹን። 9ኵላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኻዶ ኣይኮነትን ዘላ? ደጊም ካባይ ተፈለ። ንስኻ ናብ ፀጋም እንተ ኸድካ፥ ኣነ ናብ የማን እኸይድ፤ ንስኻ ናብ የማን እንተ ኸድካ ድማ ኣነ ናብ ፀጋም እኸይድ” በሎ።
10ሎጥ ከዓ ናብ ዙርያኡ ቘላሕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ናብ ዞዓር ዝወስድ ጐልጐል ዮርዳኖስ ከም ገነት እግዚኣብሄርን፥ ከም ምድሪ ግብፅን፥ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረአየ። (እዙይ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ገሞራን ከየጥፍአን እንተሎ እዩ።) 11ሽዑ ሎጥ ንዅሉ ጐልጐል ዮርዳኖስ ስለ ዝመረፀ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጕዓዘ። ኣብራምን ሎጥን ከዓ ተፈላለዩ። 12ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነዓን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጐልጐል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ፤ ድንኳኑ ኸዓ ኣብ ጥቓ ሰዶም ተኸለ። 13ሰብ ሰዶም ግና ሕሱማት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ኽፉኣትን ሓጢኣተኛታትን ነበሩ።
ኣብራም ናብ ኬብሮን ከም ዝተጕዓዘ
14ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ እግዚኣብሄር ንኣብራም “ዓይንኻ ቘላሕ ኣብል እሞ፥ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት። 15#ግ.ሓ. 7፡5። እዛ ንስኻ እትሪኣ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ። 16ንዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ምድሪ ኸብዝሖ እየ። ሑፃ ምድሪ ኽቘፅር ዝኽእል ሰብ እንተልዩ፥ ዘርእኻውን ክቝፀር እዩ። 17ተስእ፤ እዛ ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ እሞ ንውሓታን ግፍሓታን ኪዳ” በሎ። 18ኣብራም ድማ ድንኳኑ ኣልዒሉ፥ ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ መፂኡ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።

Iliyochaguliwa sasa

ዘፍጥረት 13: ትመ15

Kuonyesha

Shirikisha

Nakili

None

Je, ungependa vivutio vyako vihifadhiwe kwenye vifaa vyako vyote? Jisajili au ingia