1
ዮሃንስ 15:5
መፅሓፍ ቅዱስ
እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።
Порівняти
Дослідити ዮሃንስ 15:5
2
ዮሃንስ 15:4
ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነይሩ፥ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል፥ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይኔርኩም፥ ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን።
Дослідити ዮሃንስ 15:4
3
ዮሃንስ 15:7
ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ።
Дослідити ዮሃንስ 15:7
4
ዮሃንስ 15:16
ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
Дослідити ዮሃንስ 15:16
5
ዮሃንስ 15:13
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።
Дослідити ዮሃንስ 15:13
6
ዮሃንስ 15:2
ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ።
Дослідити ዮሃንስ 15:2
7
ዮሃንስ 15:12
ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ።
Дослідити ዮሃንስ 15:12
8
ዮሃንስ 15:8
ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።
Дослідити ዮሃንስ 15:8
9
ዮሃንስ 15:1
“ኣነ፥ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ።
Дослідити ዮሃንስ 15:1
10
ዮሃንስ 15:6
ኵሉ ኣባይ ዘይነብር፥ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርቢዩ ይነቅፅ፤ ኣኪቦም ድማ፥ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።
Дослідити ዮሃንስ 15:6
11
ዮሃንስ 15:11
ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም።
Дослідити ዮሃንስ 15:11
12
ዮሃንስ 15:10
ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
Дослідити ዮሃንስ 15:10
13
ዮሃንስ 15:17
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ።
Дослідити ዮሃንስ 15:17
14
ዮሃንስ 15:19
ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ እትኾኑስ፥ ዓለም ናቱ ዝኾነ ይፈቱ እዩ እሞ፥ ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም እምበር፥ ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ዓለም ይፀልአኩም ኣሎ።
Дослідити ዮሃንስ 15:19
Головна
Біблія
Плани
Відео