ዮሃንስ 6
6
ኢየሱስ ብሓሙሽተ እንጀራን ብኽልተ ዓሳን ብዙሕ ሰብ ከም ዘፅገበ
(ማቴ. 14፡13-21፥ ማር. 6፡30-44፥ ሉቃ. 9፡10-17)
1ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ማዕዶ እታ ጥብርያዶስ እትብሃል ባሕሪ ገሊላ ኸደ። 2#ዮሓ. 2፡23። ብዙሓት ህዝቢ ኸዓ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም ተኸተልዎ። 3ኢየሱስ ድማ ናብ እምባ ደዪቡ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ተቐመጠ። 4በዓል ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ። 5ሽዑ ኢየሱስ ኣዒንቱ ቘላሕ ኣቢሉ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአየ፥ ንፊልጶስ “ነዚኣቶም እነብልዖም እንጀራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና?” በሎ። 6እዙይ ዝበሎ ምእንቲ ኽፍትኖ እዩ እምበር፥ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎስ ባዕሉ ይፈልጦ ነበረ። 7ፊልጶስ ከዓ “ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ንነፍሲ ወከፎም እኳ ቘቍራስ ኣይበፅሖምን” ኢሉ መለሰሉ። 8ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፥ 9“ሓሙሽተ እንጀራ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ሓደ መንእሰይ ኣብዙይ ኣሎ፤ እዚኣተን ግና፥ ነዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ሰብ እንታይ ይኣኽላ?” በሎ። 10ኢየሱስ ድማ “ነቶም ህዝቢ ኣቐምጥዎም” በለ፤ ኣብቲ ቦታ ኸዓ፥ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ተቐመጡ፤ ቍፅሮም ከዓ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ። 11ኢየሱስ ነተን እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ዝተቐመጡ ሰባት ሃብዎም፤ ነቶም ዓሳታትውን ከምኡ ኸከምዝደልዩዎ ሃብዎም። 12በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብኡ ሓደኳ ኸይባኽን፥ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም። 13ስለዙይውን ኣከብዎ፤ ተረፍ እቶም ካብተን ሓሙሽተ እንጀራ ስገም ዝበልዑ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ቍርስራስ መልኡ። 14#ዘዳ. 18፡15፥ ዮሓ. 7፡40። እቶም ህዝቢ ኸዓ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ሪኦም “እዙይ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ክመፅእ ዘለዎ ነቢይ እዩ” በሉ። 15ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ ሒዞም ከንግስዎ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ፈሊጡ፥ መሊሱ በይኑ ናብ እምባ ኣግለሰ።
ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኸም ዝኸደ
(ማቴ. 14፡22-23፥ ማር. 6፡45-52)
16ምስ መሰየ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ። 17ኣብ ጃልባ ደዪቦም ከዓ፥ ናብቲ ሰገር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ኣቢሎም ከዱ፤ ጊዜኡ ፀልሚቱ ነበረ፤ ኢየሱስውን ናብኣቶም ገና ኣይመፀን ነበረ። 18ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ስለ ዝነፈሰ እቲ ባሕሪ ይናወፅ ነበረ። 19ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ፥ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦም ፈርሑ። 20ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም። 21ሽዑ ናብታ ጃልባ ኸደይብዎ እናደለዩ እንተለዉ፥ እታ ጃልባ ኸዓ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ ምድሪ በፅሐት።
22ንፅባሒቱ እቶም ኣብ ሰገር ባሕሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ፥ እንትርፊ ሓንቲ ጃልባ፥ ካልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፥ ደቀ መዛሙርቱ ጥራሕ ንበይናቶም ከም ዝኸዱ እምበር፥ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይደየበ ረአዩ። 23እንተ ኾነ፥ ካልኦት ጃልባታት ካብ ጥብርያዶስ፥ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ባሪኹ እንጀራ ዝበልዑላ ቦታ መፃ። 24ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ኢየሱስ ኮነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ፥ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ረአዩ፥ ናብተን ጃልባታት ደዪቦም፥ ንኢየሱስ ክደልይዎ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ።
ኢየሱስ ናይ ህይወት እንጀራ ኸም ዝኾነ
25ኣብ ሰገር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸዓ “መምህር፥ መኣዝ ደኣ ናብዙይ መፂእኻ?” በልዎ። 26ኢየሱስ መሊሱ “እትደልዩኒ ዘለኹም፥ እንጀራ በሊዕኹም ስለ ዝፀገብኩም ኢኹም እምበር፥ በቲ ዝረአኹምዎ ተኣምራት ከም ዘይኮነ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 27#ማቴ. 6፡33፥ ዮሓ. 4፡13-14። እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም። 28ንሳቶም ድማ “እምበኣር ግብሪ እግዚኣብሄር ክንሰርሕስ፥ እንታይ ንግበር?” በልዎ። 29ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም። 30#ዮሓ. 2፡18። ሽዑ ንሳቶም “ንሕና ርኢና ምእንቲ ብኣኻ ኽንኣምንስ፥ እንታይ ምልክት ትገብር? እንታይከ ትሰርሕ? 31#ዘፀ. 16፡4፥ መዝ. 78፡24። ከምቲ ‘ክበልዑ ኻብ ሰማይ እንጀራ ሃቦም’ ዝብል ተፅሒፉ ዘሎ፥ ኣቦታትና ኣብ በረኻ መና በልዑ” በልዎ። 32ኢየሱስ ድማ “ነቲ ናይ ሓቂ እንጀራ ኻብ ሰማይ፥ ኣቦይ እዩ ዝሃበኩም እምበር፥ ነቲ እንጀራ እቱይ ካብ ሰማይ ዝሃበኩም ሙሴ ኸም ዘይኮነስ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 33#ዮሓ. 6፡51። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም። 34#ዮሓ. 4፡15። ሽዑ ንሳቶም “ጐይታ! ኻብዝ እንጀራ እዙይ #6፡34 ካብዝ እንጀራ እዙይ፦ ግእዝ “ካብቲ እንጀራ እቱይ” ይብል። ኵልሻዕ ሃበና?” በልዎ። 35#ዮሓ. 4፡14፥ ራእይ 7፡16፥ ኢሳ. 55፡2-3። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ። 36ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም እዩ፤ ርኢኹምኒ ግና ኣይኣመንኩምንን። 37#ዮሓ. 10፡28-29፥ 17፡2። ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ። 38#ዮሓ. 4፡38። ኣነ ኻብ ሰማይ ዝወረድኩ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፥ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን። 39#ዮሓ. 3፡14-15፥ 10፡28፥ 17፡12፥ 1 ተሰ. 4፡14። ካብቶም ኵሎም ንሱ ዝሃበኒ፥ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦም እየ እምበር፥ ሓደኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ እዙይ ድማ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ እዩ። 40ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።” 41ስለዙይ ድማ ኣይሁድ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ” ስለ ዝበሎም ብእኡ ኣጕረምረሙ። 42“እዙይስ እቲ ኣቦኡን እኖኡን ንሕና እንፈልጦም፥ ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን? ከመይ ኢሉ ደኣ ‘ካብ ሰማይ ወሪደ’ ይብል?” በሉ። 43ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ፤ 44እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ። 45#ኢሳ. 54፡13። ኣብ መፃሕፍቲ ነቢያትውን ‘ኵሎም ካብ እግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ እምበኣር ኵሉ እቲ ኻብ ኣብ፥ ዝሰምዐን ዝተምሃረን ናባይ ይመፅእ። 46#ዮሓ. 1፡18። እንትርፊ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣብ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ ንሱ እዩ ንኣብ ዝረአዮ። 47#ዮሓ. 3፡36። እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘለዎ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 48ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ። 49ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ መና በልዑ እንተ ኾነ ግና ሞቱ። 50እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ እዙይ እዩ፤ ካብኡ ዝበልዐ ድማ ኣይመውትን። 51#ሉቃ. 22፡19፥ ዕብ. 10፡10። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
52ሽዑ ኣይሁድ “እዙይስ ስጋኡ ኽንበልዕ፥ ከመይ ገይሩ ኽህበና ይኽእል?” እናበሉ ንስንሳቶም ተኻትዑ። 53#ማቴ. 26፡26-28። ስለዙይ ድማ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኹም፥ ደሙውን እንተ ዘይሰቲኹምስ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብልኩም፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 54ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ። 55ስጋይ ናይ ብሓቂ ምግቢ እዩ፤ ደመይውን ናይ ብሓቂ መስተ እዩ እሞ። 56#ዮሓ. 15፡4፥ ገላ. 2፡20። እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ኣባይ ይነብር፤ ኣነውን ኣብኡ እነብር። 57#ዮሓ. 5፡26። እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ኣነውን ብኣብ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ስጋይ ዝበልዕ፥ ብኣይ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ። 58እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ፥ እዙይ እዩ፤ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ መና እሞ ዝሞቱ ኣይኮነን፤ ነዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ ግና፥ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።” 59ኢየሱስ ነዝ ዅሉ ዝተዛረቦ፥ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ #6፡59 ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፦ ወይ “ምኩራብ” እናመሃረ እንተሎ እዩ።
ብዙሓት ደቀ መዛሙርት ንኢየሱስ ምኽታል ከም ዝሓደጉ
60ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም “እዝ ዘረባ እዙይስ፥ ከቢድ እዩ፤ መን ክቕበሎ ይኽእል?” በሉ። 61#ማቴ. 11፡6። ኢየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዙይ ከም ዘጕረምረሙ ብመንፈሱ ፈሊጡ “እዙይዶ የዐንቅፈኩም? 62ወዲ ሰብ፥ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ፥ ክዓርግ እንተሎ እንተ እትሪእዎ ደኣ፥ እንታይ ምበልኩም? 63#1 ቆሮ. 2፡14፥ 2 ቆሮ. 3፡6። ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ። 64#ዮሓ. 13፡11። ግና ኻባኻትኩም ገሊኣቶም ዘይኣምኑ ኣለዉ” በሎም። ኢየሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየንኦም ምዃኖም፥ እቲ ዘትሕዞውን መን ምዃኑ፥ ካብ መጀመርታ ይፈልጥ ነበረሞ። 65ኣስዒቡ ኸዓ “ስለዙይ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝተውሃቦ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን ዝበልኩኹም” በሎም።
66በዝ ነገርዙይውን ካብ ሽዑ ጀሚሮም፥ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመለሱ፤ ምስኡውን ኣይከዱን። 67ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም?” በሎም። 68#2 ጢሞ. 1፡10፥ 1 ዮሓ. 5፡11። ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ? 69#ማቴ. 16፡16፥ ማር. 1፡24፥ ዮሓ. 1፡49። ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር #6፡69 ክርስቶስ ወዲ ህያው እግዚኣብሄር፦ ገሊኣቶም ብራናታት “እቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሄር” ይብሉ። ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ኢሉ መለሰሉ። 70#ዮሓ. 13፡27፥ 15፡16። ኢየሱስ ድማ “ንዓሰርተ ኽልቴኹም ዝሓረኹኹምስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ሓደ ኻባኻትኩም ግና ዲያብሎስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። 71እዙይ ዝበለ ድማ፥ ብዛዕባ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ እዩ፤ ዘትሕዞ ንሱ እዩ እሞ፤ ንሱውን ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ነበረ።
Поточний вибір:
ዮሃንስ 6: ትመ15
Позначайте
Поділитись
Копіювати
Хочете, щоб ваші позначення зберігалися на всіх ваших пристроях? Зареєструйтеся або увійдіть

: