ዘፍጥረት 26
26
ይስሓቅን ኣቢሜሌክን
1ከምቲ ቕድም ብዘመን ኣብርሃም ጥሜት ዝነበረ፥ ኣብታ ምድሪ ኻልእ ጥሜት ኮነ። ይስሓቅ ከዓ ናብ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ጌራራ ኸደ። 2እግዚኣብሄር ንይስሓቅ ተገልፀሉ እሞ፦ “ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ እምበር፥ ናብ ግብፂ ኣይትውረድ። 3እዘን ኵለን ምድርታት ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተቐመጥ። ኣነ ኸዓ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ኸፅንዖ እየ።
4-5“ኣብርሃም ንቓለይ ስለ ዝተኣዘዘ፥ ነቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፥ ንዘርእኻ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፤ እዘን ኵለን ሃገራትውን ንዘርእኻ ኽህበን እየ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም” በሎ። #ዘፍ. 22፡16-18።
6ይስሓቅ ኣብ ጌራራ ተቐመጠ። 7#ዘፍ. 12፡13፥ 20፡2። ሰብ ጌራራ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ጠየቕዎ። መልክዓ ፅቡቕ ስለ ዝነበረ፥ ደቂ እታ ሃገር ንርብቃ ኽብሉ ኸይቐትልዎ፥ “ሰበይተይ እያ” ምባል ፈርሐ። “ንሳ ሓፍተይ እያ” ኸዓ በሎም። 8ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብኡ ምስ ተቐመጠ፥ ኣቢሜሌክ፥ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፥ ብመስኮት ክጥምት እንተሎ፥ ይስሓቅ ምስ ሰበይቱ ርብቃ እንትፃወት ረአየ። 9ኣቢሜሌክ ንይስሓቅ ፀዊዑ “እምበኣር ሰበይትኻ እያ! ስለ ምንታይ ደኣ ‘ሓፍተይ እያ’ ዝበልካ?” በሎ። ይስሓቅ ከዓ “ብሰንካ ኸይመውት ኢለ እየ” በሎ።
10ኣቢሜሌክ ድማ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ዝገበርካና? ሓደ ኻብዞም ህዝቢ ዘይፈለጠ፥ ምስ ሰበይትኻ ምደቀሰ ነይሩ፥ ንኣናውን ኣብ በደል መእተኻና ኔርካ።” 11ኣቢሜሌክ ከዓ ንዅሉ ህዝቢ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ወይ ንሰበይቱ ዝነኽአ፥ ብርግፅ ክቕተል እዩ” ኢሉ ኣዘዘ።
12ይስሓቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝባረኾ ድማ በታ ዓመት እቲኣ ሚእቲ ዕፅፊ ረኸበ። 13ይስሓቅ ሃብተመ፤ ሃብቱ ድማ የመና እናበዝሐ ኸደ። 14ኣባጊዕን ከፍትን ብዙሓት ኣገልገልትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ግና ቐንኡሉ። 15ሽዑ ፍልስጥኤማውያን፥ ነቶም ኣገልገልቲ ኣቦኡ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ ዅሉ ዒላታት ደፈንዎ፤ ሓመድ ከዓ መልእዎ።
16ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሓቅ “ካባና የመና ሓዪልካ ኢኻ እሞ፥ ካባና ኺድ” በሎ። 17ይስሓቅ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ኣብ ለሰ ጌራራ ሰፈረ፤ ኣብኡውን ተቐመጠ። 18ነቲ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም፥ ዝዀዓትዎ ዒላታት ማይ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደፈንዎም፥ ይስሓቅ መሊሱ ዀዓቶም፤ በቲ ኣቦኡ ዝፅውዖም ዝነበረ ስም ድማ ሰመዮም።
19ኣገልገልቲ ይስሓቅ ድማ ኣብቲ ለሰ ዒላ ዀዓቱ፤ ኣብኡ ኸዓ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ረኸቡ። 20ጓሶት ጌራራ ከዓ ምስ ጓሶት ይስሓቅ “እዙይ ማይና እዩ” ኢሎም ተበኣሱ። ይስሓቅ ከዓ ምስኡ ስለ ዝተበኣሱ፥ ነቲ ዒላ “ዔሴቅ” ኢሉ ሰመዮ። 21ካልእ ዒላ ኸዓ ዀዓቱ፤ ብዛዕባኡውን ስለ ዝተበኣሱ “ስጥና” ኢሉ ስም ኣውፅአሉ። 22ካብኡ ድማ ገዓዘ፤ ካልእ ዒላውን ኰዓተ፤ ብዛዕባኡ ግና ኣይተበኣሱን፤ “ሕዝስ እግዚኣብሄር ኣስፊሑና እዩ እሞ ኣብዝ ምድሪዙይውን ክንስስን ኢና” በለ። ነቲ ዒላ ድማ “ርሖቦት” ኢሉ ሰመዮ።
23ካብኡ ኸዓ ንቤርሳቤህ ደየበ። 24በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ እሞ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፤ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ኽባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ።
25ይስሓቅ ከዓ ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ ስም እግዚኣብሄር ፀውዐ። ድንኳኑውን ተኸለ፤ ኣገልገልቱ ድማ ዒላ ዀዓቱ።
26 #
ዘፍ. 21፡22። ኣቢሜሌክ ድማ ኣከዘት ምስ ዝበሃል ኣማኻሪኡን ፊኮል ምስ ዝበሃል ሓለቓ ሰራዊቱን ካብ ጌራራ ናብ ይስሓቅ ከደ። 27ይስሓቅ ከዓ “ፀሊእኹምንስ ካባኻትኩምዶ ኣይሰጐጕኩምንን? ንምንታይ ደኣ ናባይ መፃእኹም?” በሎም።
28-29ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ ኣረጋጊፅና ኢና እሞ፥ ከምቲ ንሕና ዘይነኻእናካ፥ ፅቡቕውን ዝገበርናልካ፥ ብሰላም ድማ ዘፋኖናካ፥ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፥ ንሕናን ንስኻን ንስንሳትና ንመሓሓል፤ ምሳኻ ኸዓ ኺዳን ንእቶ፥ ኢልና መኸርና። ሕዚ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቡሩኽ ኢኻ” በልዎ። 30ይስሓቅ ድማ ምሳሕ ገበረሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑን ሰተዩን። 31ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ንስንሳቶም ተመሓሓሉ። ይስሓቅ ከዓ ኣፋነዎም፤ ካብኡ ድማ ብሰላም ከዱ።
32በታ መዓልቲ እቲኣ ኣገልገልቲ ይስሓቅ መፂኦም ብዛዕባቲ ዝዀዓትዎ ዒላ ነገርዎ፤ “ማይ ረኺብናሉ” ድማ በልዎ። 33ንሱ ድማ ነቲ ዒላ “ሳቤህ” ኢሉ ሰመዮ። ስለዙይውን እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ “ቤርሳቤህ ተብሂላ” ትፅዋዕ ኣላ።
34ኤሳው ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ ድማ፥ ንጓል እቲ ኬጢያዊ ይሁዲትን፥ ንጓል ኤሎን እቲ ኬጢያዊ ቤሴሞትን ኣእተወን። 35እዚኣተን ከዓ ንይስሓቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ኾናኦም።
Цяпер абрана:
ዘፍጥረት 26: ትመ15
Пазнака
Падзяліцца
Капіяваць
Хочаце, каб вашыя адзнакі былі захаваны на ўсіх вашых прыладах? Зарэгіструйцеся або ўвайдзіце

: