ዘፍጥረት 27

27
ይስሓቅ ንያእቆብ ከም ዝባረኾ
1ይስሓቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ደኺመን ምርኣይ ምስ ሰኣና፥ ንኤሳው ነቲ ዓብዪ ወዱ ፀዊዑ “ኣታ ወደይ!” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በሎ።
2ሽዑ ንሱ “እንሆ፥ ሕዚ ኣሪገ እየ፤ መኣዝ ከም ዝመውትውን ኣይፈልጥን። 3በይዛኻ ኣፅዋር ሃደንካን መንቲግካን ቀስትኻን፥ ውሰድ እሞ ሕዚ ንበረኻ ወፊርካ፥ ሃዲንካ ስጋ ኣምፅአለይ። 4እንተይሞትኩ ምእንቲ ኽምርቐካስ፥ ከምቲ ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኣሰናዲኻ ኣምፅአለይ” በሎ።
5ርብቃ ኸዓ ይስሓቅ ንኤሳው ወዱ ኽዛረቦ እንተሎ ትሰምዕ ነበረት። ኤሳው ሃዲኑ ኸምፅእ ናብ በረኻ ምስ ወፈረ ድማ፥ 6-7ርብቃ ንወዳ ያእቆብ፦ “እንሆ፥ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው ‘ቅድሚ ሞተይ በሊዐ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ ሃዲንካ ጥዑም ብልዒ ኣሰናዲኻ ኣምፅአለይ’ ኢሉ እንትዛረቦ ሰሚዐዮ ኣለኹ። 8ሕዚ ድማ ወደይ! ከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ግበር። 9ናብተን መጓሰ ኼድካ፥ ክልተ ፅቡቓት መሓስእ ኣምፅአለይ። ኣነ ኸዓ ንኣኣተን ከምቲ ኣቦኻ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኸሰናድወሉ እየ። 10ንሱ ድማ በሊዑ፥ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኽምርቐካስ፥ ነቦኻ ኽተቕርበሉ ኢኻ” በለቶ።
11ያእቆብ ከዓ ንኖኡ ርብቃ “እንሆ፥ ሓወይ ኤሳው ፀጓር ሰብ እዩ፤ ኣነ ግና ቘርበተይ ልሙፅ ሰብ እየ። 12ምናልባሽ ኣቦይ እንተ ዳህሰሰኒሞ፥ ከም ዘላገፅኩሉ ኾይነ ኸይርከብ፤ ኣብ ልዕለይ ከዓ ኽንዲ ምርቓ፥ መርገም ከየምፅአለይ” በላ።
13እኖኡ ድማ “ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር፤ ኬድካ ነተን መሓስእ ኣምፅአለይ እምበር መርገምካስ ኣባይ ይብፃሕ” በለቶ።
14ከይዱ ድማ ኣምፅአ፤ ንኖኡውን ሃባ፤ እኖኡ ኸዓ ኸምቲ ኣቦኡ ዝፈትዎ ገይራ ጥዑም ብልዒ ኣሰናደወት። 15ርብቃ እቲ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበረ ፅቡቕ ክዳውንቲ ዓብዪ ወዳ ኤሳው ወሲዳ፥ ነቲ ንእሽተይ ወዳ ንያእቆብ ከደነቶ። 16ኣብ ኣእዳዉን ኣብቲ ልሙፅ ክሳዱን ድማ ቘርበት እተን መሓስእ ገበረትሉ። 17ሽዑ ነቲ ጥዑም ብልዕን ነቲ ዝሰንከተቶ እንጀራን፥ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሃበቶ።
18ያእቆብ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ “ኣቦይ!” በሎ። ይስሓቅ ድማ “እኒሀኹ ወደይ፤ ንስኻ መን ኢኻ?” በሎ።
19ያእቆብ ድማ ነቦኡ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ እኒሀኹ፤ ተስእ ቅንዕ ኢልካውን ተቐመጥ፤ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐኒ ኸዓ ኻብዝ ዝሃደንክዎ ብላዕ” በሎ።
20ይስሓቅ ከዓ ንወዱ “ወደይ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዙይ ብቕልጡፍ ረኺብካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናባይ ስለዘቕረቦ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
21ይስሓቅ ከዓ ንያእቆብ “ወደይ! ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኽድህስሰካ ናባይ ቅረብ” በሎ። 22ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ቀረበ። ዳህሲሱ ኸዓ፥ “ድምፅኻ ድምፂ ያእቆብ ይመስል፤ ኣእዳውካ ግና ኣእዳው ኤሳው እየን” በለ። 23ንሱ ድማ፥ ኣእዳዉ ኸም ኣእዳው ሓዉ ኤሳው ፀጓራት ነበራ እሞ ኣየለለዮን፤ መረቖውን። 24“ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ?” ድማ ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
25“ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ፥ ካብቲ ዝሃደንካዮ ኽበልዕ ኣቕርበለይ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኣቕረበሉ፤ በልዐ ድማ፤ ወይኒ እውን ሃቦ እሞ ሰተየ። 26ኣቦኡ ይስሓቅ ድማ “ወደይ፥ ቀሪብካ ሰዓመኒ” በሎ። 27ንሱ ኸዓ ቐሪቡ ሰዓሞ። ይስሓቅ ድማ ጨና ኽዳኑ ኣጫንዩ፥ ከምዙይ እናበለ መረቖ፦
“እንሆ፥ መዓዛ ወደይ ከም መዓዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ግራት እዩ፤
28እግዚኣብሄር ከዓ ጠሊ ሰማይን ስብሒ ምድርን፥
ብዝሒ እኽልን ወይንን ይሃብካ።
29 # ዕብ. 11፡20። ኣህዛብ ይገዝኡኻ፤ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፤
ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፤ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ።
ዝረግመካ ርጉም፥ ዝምርቐካ ምሩቕ ይኹን” በሎ። #ዘፀ. 12፡3።
ኤሳው ካብ ኣቦኡ ምርቓ ኸም ዝለመነ
30ይስሓቅ ንያእቆብ መሪቑ ምስ ወድአ፥ ያእቆብውን ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ውፅእ ምስ በለ፥ ሓዉ ኤሳው ካብ ሃደን ኣተወ። 31ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣሰናድዩ፥ ናብ ኣቦኡ ኣምፅአ፤ ነቦኡ ድማ “ኣቦይ! ምእንቲ ነፍስኻ ኽትምርቐንስ፥ ተስእ እሞ ኻብቲ ኣነ ወድኻ ዝሃደንክዎ ብላዕ” በሎ።
32ኣቦኡ ይስሓቅ ከዓ “ንስኻኸ መን ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ” ኢሉ መለሰ። 33ሽዑ ይስሓቅ የመና ደንገፀ እሞ፥ “እቲ ሃዲኑ ዝብላዕ ዘምፅአለይ፥ ኣነ ኸዓ ገና ንስኻ እንተይመፃእኻ፥ በሊዐ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ? ምሩቕ ድማ ክኸውን እዩ” በለ።
34ኤሳው ቃል ኣቦኡ ምስ ሰምዐ፥ የመና ዓው ኢሉ መሪር ብኽያት በኸየ፤ ነቦኡ ኸዓ “ኣቦይ! ንኣይውን መርቐኒ” በሎ።
35ይስሓቅ ድማ “ንምርቓኻስ ሓውካ መፂኡ ብተንኰል ወሲድዎ” በሎ።
36 # ዘፍ. 25፡29-34። ኤሳው ከዓ “ያእቆብ ክልተ ሻዕ ኣሰናኺሉኒ፤ ቅድም ብዅርናይ፥ ሕዚ ኸዓ እንሆ ምርቓይ ወሰደ። ብቐደሙስ እንተ ኾነ ስሙ ያእቆብዶ #27፡36 ያእቆብ፦ ብዕብራይስጢ “ሓንኳሊ” ማለት እዩ። ኣይኮነን! ንኣይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን ኢኻ?” በሎ።
37ይስሓቅ ከዓ መሊሱ ንኤሳው “እንሆ፥ ንሓውካ ጐይታኻ ገበርክዎ፤ ኵሎም ኣሕዋቱውን ኣገልገልቱ ክኾኑ ሃብክዎ፤ ብስርናይን ወይንን ድማ ኣሀብተምክዎ። ሕዚ እሞ ወደይ፥ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ?” በሎ።
38 # ዕብ. 12፡17። ኤሳው ድማ “ኣታ ኣቦይ! ሓንቲ ምርቓ ጥራሕ ድያ ዘላትካ? ንኣይውን እባ መርቐኒ” በሎ። ኤሳውውን ዓው ኢሉ ኽበኪ ጀመረ።
39ኣቦኡ ይስሓቅ ድማ መሊሱ፦
“እንሆ፥ መነባብሮኻ ኻብ ስብሒ ምድሪ፥
ካብ ላዕሊ ኻብ ዝርከብ ጠሊ ሰማይ ክኸውን እዩ።
40 # ዕብ. 11፡20። ብሰይፍኻ ኽትነብር፥
ንሓውካ ድማ ኽትግዛእ ኢኻ፤
ምስ ተቓወምካዮ፥ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትድርቢ ኢኻ” በሎ። #ዘፍ. 36፡8፥ 2 ነገ. 8፡20።
41ኤሳው ድማ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ንያእቆብ ዝሃቦ ምርቓ፥ ንያእቆብ ተቐየሞ። ኤሳው ከዓ “ብሞት ኣቦይ እንሓዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ብድሕሪኡ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ” ኢሉ ሓሰበ።
42ንርብቃ ድማ ሓሳብ ዓብዪ ወዳ ኤሳው በፅሓ። ነቲ ንእሽተይ ወዳ ያእቆብ ከዓ ኣፀዊዓ ኣምፅኣቶሞ “እንሆ ኤሳው ሓውካ ኽቐትለካ ይደሊ ኣሎ። 43ሕዚ ኸዓ፥ ወደይ! ኣነ ዝብለካ ግበር፤ ተስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባ፥ ናብ ምድሪ ካራን ህደም። 44-45ቍጥዓ ሓውካ ኽሳዕ ዝዝሕል፥ ነቲ ዝገበርካዮ ድማ ኽሳዕ ዝርስዖ፥ ንቑሩብ ጊዜ ምስ ላባ ተቐመጥ፤ ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምፅአካ እየ። ስለ ምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም?” በለቶ።
ይስሓቅ ንያእቆብ ናብ ላባ ኸም ዝሰደዶ
46ርብቃ ኸዓ ንይስሓቅ “ብሰንኪ ኣጓላት ኬጢ ምንባረይ ፀላእኹ። ያእቆብ ካብ ኣጓላት ኬጢ፥ ካብ ኣጓላት እዛ ሃገር እዚኣ፥ ከምዚኣተን ዝበለት ሰበይቲ ዘእቱ እንተ ኾይኑ ብህይወት ምንባር ንኣይ እንታየይ እዩ?” በለቶ።

Цяпер абрана:

ዘፍጥረት 27: ትመ15

Пазнака

Падзяліцца

Капіяваць

None

Хочаце, каб вашыя адзнакі былі захаваны на ўсіх вашых прыладах? Зарэгіструйцеся або ўвайдзіце