ማርቆስ 10
10
ምፍታሕ ከም ዘይግባእ
(ማቴ. 19፡1-12፥ ሉቃ. 16፡18)
1ኢየሱስ ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከደ። መሊሱ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ከም ልማዱውን መሃሮም። 2#ማር. 8፡11። ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኽፍትንዎ መፂኦም “ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽፈትሓ ይግባእ ድዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 3ኢየሱስ ድማ “ሙሴ እንታይ ኢሉ ኣዘዘኩም?” በሎም። 4#ዘዳ. 24፡1፥ ማቴ. 5፡31-32። ንሳቶም ከዓ “ሙሴስ መፍትሒኣ ፅሑፍ ፅሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ” በልዎ። 5ኢየሱስ ከዓ፦ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም እዩ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ዝፀሓፈልኩም። 6ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና፥ እግዚኣብሄር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። 7ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ። 8#ኤፌ. 5፡31። ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ፤ እምበኣር ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። 9እምበኣርከስ ነቲ እግዚኣብሄር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም። 10ኣብ ገዛ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ደጊሞም ጠየቕዎ። 11#ማቴ. 5፡32። ንሱ ድማ “እቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ፥ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ። 12እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እተእቱውን ትዝሙ” በሎም።
ኢየሱስ ንህፃናት ከም ዝባረኸ
(ማቴ. 19፡13-15፥ ሉቃ. 18፡15-17)
13ኢዱ ኸንብረሎም ድማ፥ ንህፃናት ናብኡ ኣምፅእዎም፤ ደቀ መዛሙርቱ ግና ነቶም ዘምፅእዎም ገሰፅዎም። 14ኢየሱስ ነዙይ ምስ ረአየ ተቘጢዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ህፃናት ናባይ ይምፅኡ ሕደግዎም፤ መንግስቲ እግዚኣብሄር ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም። 15እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ህፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። 16#ማር. 9፡36። ሓቘፎም፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንቢሩ ድማ ባረኾም።
ሃብታም መንእሰይ
(ማቴ. 19፡16-30፥ ሉቃ. 18፡18-30)
17ኢየሱስ ብመንገዲ እናኸደ እንተሎ ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ናብኡ መፂኡ ሰገደሉ። “ኣታ ሕያዋይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስስ እንታይ ክገብር?” ኢሉ ድማ ጠየቖ። 18#መዝ. 145፡9። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ሕያዋይ የለን። 19#ዘፀ. 20፡12-16። ትእዛዛት ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣይትዓምፅ፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር!” በሎ። 20ንሱ ኸዓ “መምህር፥ እዝ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓሊየዮ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። 21#ማቴ. 10፡38፥ ማር. 12፡34፥ ሉቃ. 12፡33። ኢየሱስ ከዓ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፥ “ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ኪድሞ፥ ኵሉ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይውን ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ፤ #10፡21 ኣብ ግእዝ “ፍፁም ክትከውን” ዝብል ይርከብ። መስቀልካ ኣልዒልካ ድማ ነዓ ተኸተለኒ” በሎ። 22ንሱ ግና ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ በዝ ቓል እዙይ ሓዘነ፤ እናጐሃየውን ከደ። 23ኢየሱስ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ፥ “ገንዘብ ዘለዎም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣትዉ ኽንደይ ከቢድ እዩ!” በሎም። 24#ምሳ. 11፡28፥ 1 ጢሞ. 6፡17። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ፥ በዝ ቓል እዙይ ተገረሙ፤ ኢየሱስ ድማ መሊሱ፦ “ደቀይ! ብሃብቲ ንዝተኣማመኑ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ከመይ ከቢድ እዩ! 25ሃብታም ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ካብ ዝኣቱስ፥ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” በሎም። 26ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ድማ “መን ደኣ ኾን ክድሕን ይኽእል?” ተበሃሃሉ።
27ኢየሱስ ከዓ ናብኣቶም እናጠመተ፥ “እዙይ ብእግዚኣብሄር እምበር፥ ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሄር ግና ዅሉ ይከኣል እዩ እሞ” በሎም። 28#ማቴ. 4፡20። ጴጥሮስ ከዓ “እንሆ እምበኣር ንሕና ዅሉ ሓዲግና ተኸቲልናካ” ኽብሎ ጀመረ። 29ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፥ ገዛ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ኣሓት፥ ወይ እኖ፥ ወይ ኣቦ፥ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ውሉድ፥ ወይ ገራሁ ዝሓደገ፥ 30ሕዚ ኣብዝ ዓለም እዙይ ምስ ስደት፥ ገዛ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ እኖ፥ ውሉድ፥ ገራሁ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ዘይኽፈል፥ ኣብ ዝመፅእ ዓለም ከዓ፥ ህይወት ዘለኣለም ዘይቕበል ሓደኳ የለን። 31ብዙሓት ቀዳሞት፥ ዳሕረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳሕረዎት ድማ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም።”
ኢየሱስ ብዛዕባ ሕማሙን ሞቱን ንሳልሳይ ጊዜ ኸም ዝተዛረበ
(ማቴ. 20፡17-19፥ ሉቃ. 18፡31-34)
32 #
ማር. 8፡31። ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ ኣብ መንገዲ እንተለዉ፥ ኢየሱስ ይቕድሞም ነበረ፤ ንሳቶም ከዓ ተገረሙ። እቶም ዝተኸተልዎውን ፈርሑ። ኢየሱስ ድማ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ወሲዱ፥ እቲ ኽበፅሖ ዘለዎ ኽነግሮም ጀመረ። 33“እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከትሕዝዎ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ንሞት ክፈርድዎ፥ ንኣህዛብውን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ 34ንሳቶምውን ከላግፁሉ፥ እንትፍ ክብሉሉ፥ ክገርፍዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ክትስእ እዩ” በሎም።
ድልየት ደቂ ዘብዴዎስ
(ማቴ. 20፡20-28፥ ሉቃ. 22፡24-27)
35ያእቆብን ዮሃንስን ክልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር፥ ዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ ኣለና” በልዎ። 36ንሱ ኸዓ “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ?” በሎም። 37ንሳቶም ድማ “ኣብ ክብርኻ ሓዲና ብየማንካ፥ ሓዲና ድማ ብፀጋምካ ኽንቅመጥ ፍቐደልና” በልዎ። 38#ማር. 14፡36፥ ሉቃ. 12፡50። ኢየሱስ ግና “እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትዩ፥ እቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ትኽእሉዶ?” በሎም። 39ንሳቶም ከዓ “እወ፥ ንኽእል” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ነቲ ኣነ ዝሰትዮ ፅዋዕ ክትሰትይዎ፥ ነቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቅዎ ኢኹም። 40ኣብ የማነይን ኣብ ፀጋመይን ምቕማጥ ግና፥ ኣቦይ ንዘዳለወሎም እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝህብ” በሎም። 41እቶም ዓሰርተ ደቀ መዛሙርት እዙይ ሰሚዖም፥ ብያእቆብን ዮሃንስን ተቘጥዑ። 42ኢየሱስ ግና ፀዊዑ፦ “ንኣህዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም፥ እቶም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝስልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። 43#ማር. 9፡35። ኣባኻትኩም ግና ኸምኡ ኣይኮነን። እቲ ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን። 44እቲ ኻባኻትኩም ልዕሊ ዅሉ ክኸውን ዝደሊ ኸዓ፥ ንሱ ተኣዛዚኹም ይኹን። 45#ፊልጵ. 2፡7፥ ኤፌ. 5፡2። ወዲ ሰብ፥ ከገልግልን ህይወቱ ቤዛ ብዙሓት ክህብን እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀንሞ” በሎም።
ኢየሱስ ንዕዉር በርጤሜዎስ ከም ዘሕወዮ
(ማቴ. 20፡29-34፥ ሉቃ. 18፡35-43)
46ናብ ኢያሪኮ ድማ ኣተዉ፤ ኢየሱስ ካብ ኢያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ክወፅእ እንተሎ፥ በርጤሜዎስ፥ ንሱውን ወዲ ጤሜዎስ እቲ ዕዉር፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 47#ማቴ. 1፡1። ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ዓው ኢሉ “ኢየሱስ ወዲ ዳዊት! መሓረኒ!” ኽብል ጀመረ። 48ብዙሓት ድማ ስቕ ክብል ገሰፅዎ፤ ንሱ ግና ዓው ኢሉ “ኦ ወዲ ዳዊት፥ መሓረኒ!” በለ። 49ኢየሱስ ድማ ደው ኢሉ “ፀውዕዎ” በለ። ነቲ ዕውር ፀዊዖም ከዓ “ኣይዞኻ፥ ተስእ! ኢየሱስ ይፅውዐካ ኣሎ” በልዎ። 50ንሱ ኸዓ ኽዳኑ ደርቢዩ፥ #10፡50 ደርቢዩ፦ ግእዝ “ተኸዲኑ” ይብል። ተሲኡ ናብ ኢየሱስ መፀ። 51ኢየሱስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቖ፤ እቲ ዕዉር ከዓ “መምህር፥ ክርኢ” በሎ። 52#ማቴ. 8፡13። ኢየሱስ ከዓ “ኪድ፥ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአየ፤ ኣብ መንገዲውን ተኸተሎ።
Currently Selected:
ማርቆስ 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy
![None](/_next/image?url=https%3A%2F%2Fimageproxy.youversionapistaging.com%2F58%2Fhttps%3A%2F%2Fweb-assets.youversion.com%2Fapp-icons%2Fen.png&w=128&q=75)
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: