YouVersion Logo
Search Icon

ማርቆስ 9

9
ትርኢት ኢየሱስ ከም ዝተለወጠ
(ማቴ. 17፡1-13ሉቃ. 9፡28-36)
1 # ማቴ. 16፡28፥ ሉቃ. 9፡27። ቀፂሉውን ኢየሱስ “ኣብዙይ ቆይሞም ካብ ዘለዉ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓይሊ ኽትመፅእ እንተላ ኽሳዕ ዝሪእዋ፥ ዘይሞቱ ኸም ዘለዉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። 2#ማቴ. 17፡1-8፥ ሉቃ. 9፡28-36፥ ማር. 5፡37። ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኸዓ፥ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን፥ ንበይናቶም ወሲዱ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ትርኢቱ ተለወጠ። 3ክዳኑ ድማ የመና ኣንፀባረቐ፤ ኣብ ምድሪ ሓደ ሓፃባይ ከምኡ ገይሩ ኸፃዕድዎ ኽሳዕ ዘይኽእል ከዓ ፃዕደወ። 4ሽዑ ሙሴን ኤልያስን ምስ ኢየሱስ እናተዘራረቡ እንተለዉ፥ ተርኣይዎም። 5ጴጥሮስ ከዓ ንኢየሱስ “መምህር፥ ንኣና ኣብዙይ ምንባር ፅቡቕ እዩ፤ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደ ንኤልያስ ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ። 6የመና ደንጊፆም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዝብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። 7#ዘፀ. 40፡34፥ ማር. 1፡11። ብሩህ #9፡7 ብሩህ፦ ኣብ ግሪክ የለን። ደመና መፂኡ ድማ ሸፈኖም፤ ካብቲ ደመና ኸዓ፥ “እዙይ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ!” ዝብል ድምፂ መፀ። 8ብድንገት ኣብ ዙርያኦም ቈላሕ እንተ በሉ ኸዓ፥ ኢየሱስ በይኑ እምበር፥ ሓደኳ ምስኣቶም ኣይረአዩን። 9#ማቴ. 8፡4። ካብቲ እምባ ኽወርዱ እንተለዉ ድማ፥ ወዲ ሰብ ካብ ሞት ክሳዕ ዝትስእ፥ ነቲ ዝረአይዎ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።
10 # ሉቃ. 18፡34፥ ዮሓ. 2፡22። ነቲ ቓል ኣብ ልቦም ሒዞም፥ “ካብ ሞት ምትሳእ ማለት እንታይ ማለት እዩ?” እናበሉ ድማ ንስንሳቶም ተዘራረቡ። 11ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 12-13ንሱ ኸዓ “ኤልያስ ብርግፅ ኣቐዲሙ ኽመፅእ እዩ፤ ንዅሉውን ከቃንዕ እዩ፤ ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ብዙሕ መከራ ኸም ዝቕበልን ከም ዝነዓቕን ስለ ምንታይ ድዩ ተፅሒፉ ዘሎ? ኣነ ግና ኤልያስ ብርግፅ መፂኡ እዩ፤ ከምቲ ብዛዕባኡ ተፅሒፉ ዘሎ ድማ፥ ኵሉ ዝደለይዎ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዝገበሩ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ኢየሱስ ርኹስ መንፈስ ንዝሓደሮ ሰብ ከም ዘሕወየ
(ማቴ. 17፡14-21ሉቃ. 9፡37-43)
14ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መፀ ድማ፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎም፥ መምህራን ሕጊ እውን ክከራኸርዎም እንተለዉ ረአየ። 15ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ደንገፁ፤ ናብኡ ጐይዮም ከዓ ኢድ ነስኡሉ። 16ነቶም መምህራን ሕጊ ድማ “ብዛዕባ እንታይ ትከራኸርዎም ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።
17ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸዓ “መምህር፥ ንወደይ በሃም ጋኔን ስለ ዝሓዞ፥ ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ። 18#ማር. 3፡14-15። ክለዓሎ እንተሎ የውድቖ፤ የዕፍሮ፤ ኣስናኑውን ይሕርቅም፤ ይነቅፅውን፤ ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውፅእዎ ጠይቐዮምስ ኣይከኣሉን” በሎ። 19ንሱ ኸዓ “ኣታ ዘይኣምን ትውልዲ! ኽሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ? ክሳዕ መኣዝከ ኽዕገሰኩም እየ? ናብዙይ ናባይ ኣምፅእዎ!” በሎም። 20ናብኡ ድማ ኣምፅእዎ፤ እቲ ርኹስ መንፈስ ምስ ረአዮ፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ ምድሪ ነፅሖ፤ ኣንፈርፈረ፤ ዓፈረውን። 21ኢየሱስ ድማ ነቦኡ “ካብ መኣዝ ጀሚሩ እዩ ዝሓዞ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ “ኻብ ንእስነቱ እዩ፤ 22#ማር. 1፡40። ክቐትሎ ደልዩ ኸዓ፥ ብዙሕ ሻዕ ኣብ ሓዊን ኣብ ማይን የውድቖ፤ ትኽእል እንተ ዄንካ ራህርሀልና፥ ርድአናውን” #9፡22 ራህርሀልና፥ ርድአናውን፦ ግእዝ “ርድአኒ ራህርሀለይውን” ይብል። በሎ። 23#ማር. 11፡22-23። ኢየሱስ ድማ “ ‘ትኽእል እንተ ዄንካዶ ትብል ኣለኻ?’ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ። 24#ሉቃ. 17፡5። ሽዑ ኣቦ እቲ ቘልዓ፥ “እኣምን እየ፤ ንዘይምእማነይ ርድኣዮ” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ። 25ኢየሱስ እቶም ሰባት እንትጐዩ ምስ ረአየ፥ ነቲ ርኹስ መንፈስ “ኣታ በሃምን ፀማምን መንፈስ፥ እእዝዘካ ኣለኹ፤ ካብኡ ውፃእ! ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይትእቶ!” እናበለ ገሰፆ። 26እቲ ርኹስ መንፈስ ገዓረ፤ ነቲ ቘልዓ ድማ ፈርፈር ኣቢልዎ ወፀ። ብዙሓት “ሞይቱ” ክሳዕ ዝብሉ ኸዓ፥ ከም ሬሳ ኾነ። 27ኢየሱስ ድማ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኦ፤ ንሱውን ተስአ። 28ናብ ገዛ ምስ ኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ንበይናቶም ኮይኖም “ስለ ምንታይ ንሕና ምውፅኡ ዝሰኣንና?” ኢሎም ጠየቕዎ። 29ንሱ ኸዓ “እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ዓሌት ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም።
ኢየሱስ ብዛዕባ ኽበፅሖ ዘለዎ መከራን ሞትን ከም ዝተዛረበ
(ማቴ. 17፡22-23ሉቃ. 9፡43-45)
30ካብኡ ወፂኦም ብገሊላ ሓለፉ፤ ኢየሱስ ነዝ ነገርዙይ ሓደኳ ኽፈልጦ ኣይደለየን። 31#ማር. 8፡31። ንደቀ መዛሙርቱውን “ንወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሰብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፥ ክቐትልዎውን እዮም፤ ምስ ተቐትለ ድማ፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኽትስእ እዩ” ኢሉ ይምህሮም ስለ ዝነበረ እዩ። 32#ሉቃ. 18፡34፥ 24፡25፥ ዮሓ. 12፡16። ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ቃል ኣየስተውዓልዎን፤ ከይጥይቕዎ ድማ ፈርሑ።
ብዛዕባ ትሕትና ኸም ዝመሃረ
(ማቴ. 18፡1-5ሉቃ. 9፡46-48)
33ኣብ ቅፍርናሆም በፂሑ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ “ኣብ መንገዲ ትካትዑሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። 34#ሉቃ. 22፡24። ንሳቶም ከዓ ኣብ መንገዲ፥ መን ከም ዝዓቢ፥ ንስንሳቶም ይካትዑ ነበሩ እሞ ስቕ በሉ። 35#ማር. 10፡43፥ ሉቃ. 22፡26፥ ዮሓ. 13፡14። ኢየሱስ ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ፀዊዑ “እቲ ሓለቓ ክኸውን ዝደሊ፥ ትሕቲ ዅሉን ኣገልጋሊ ዅሉን ይኹን” በሎም። 36ንሓደ ቘልዓ ወሲዱ ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ፤ ሓቝፉ ኸዓ፦ 37#ሉቃ. 10፡16። “ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ቘልዑ፥ ንሓደ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ከዓ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ንኣይ ኣይኮነን ዝቕበል” በሎም።
ኢየሱስ “ዘይቃወመና ዅሉ ምሳና እዩ” ኸም ዝበለ
(ሉቃ. 9፡49-50)
38ዮሃንስ ንኢየሱስ “መምህር፥ ሓደ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ። 39ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብስመይ ተኣምራት ዝገብር ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ብኣይ ክፉእ ኽዛረብ ዝኽእል የለንሞ ኣይትኸልክልዎ። 40ኵሉ ዘይቃወመና #9፡40 ዘይቃወመና፦ ግእዝ “ዘይቃወመኩም” ይብል። ምሳና እዩ። 41#ማቴ. 10፡42፥ ዕብ. 6፡10። ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝኾንኩም፥ ኵሉ ፅዋዕ ማይ ብስመይ ዘስትየኩም፥ ዓስቡ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
ንሰብ ምስሕሓት ከም ዘይግባእ
(ማቴ. 18፡6-9ሉቃ. 17፡1-2)
42 # ሮሜ 14፡13። “ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ንሓደ ዘስሕት፥ እምኒ መጥሓን #9፡42 እምኒ መጥሓን፦ ግእዝ “ኣድጊ ዝጥሕነሉ መጥሓን” ይብል። ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ ነይሩ። 43-44#ማቴ. 5፡30። ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ ቝረፃ፤ ምስ ክልተ ኢድካ [ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉውን ዘይጠፍእ] ናብ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ቈራፅ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። 45-46እግርኻ እንተ ኣስሓተትካውን ቍረፃ፤ ምስ ክልተ እግርኻ ሓሰኻኡ ናብ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ናብ ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። 47-48#ማቴ. 5፡29፥ ኢሳ. 66፡24። ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኣዒንትኻ ናብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፥ ሓዉ እውን ዘይጠፍእ ገሃነመ እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምእታው ይሕሸካ። 49ኵሉ ብሓዊ እዩ ዝምቅር፤ #9፡49 ኵሉ ብሓዊ እዩ ዝምቅር፦ ግእዝ “ንዅሉ ብሓዊ የመቅርዎ” ይብል። ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዝምቅር። 50ጨው ፅቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ጠፍአኸ ብምንታይ ተመቅርዎ? እምበኣር ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩምውን ተሰማሚዕኹም ብሰላም ንበሩ።” #2 ቆሮ. 13፡11፥ 1 ተሰ. 5፡13፥ ዕብ. 12፡14።

Currently Selected:

ማርቆስ 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in