YouVersion Logo
Search Icon

ማርቆስ 12

12
ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒ
(ማቴ. 21፡33-46ሉቃ. 20፡9-19)
1ኢየሱስ ብምስላ ኽነግሮም ጀመረ፤ “ሓደ ሰብኣይ ወይኒ ተኸለ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መፅመቚውን ኰዓተሉ፤ መሐለዊ መንደቕውን ሰርሐሉ፤ ንሓረስቶት ድማ ብብላዕ ሂብዎም፥ ናብ ካልእ ዓዲ ኸደ። 2#ኤር. 25፡4። ጊዜ ፍርያት ምስ በፅሐ፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኸምፅአሉ፥ ናብቶም ሓረስቶት ኣገልጋሊኡ ለኣኸ። 3ንሳቶም ግና ሒዞም ገረፍዎ፤ ጥራሕ ኢዱውን ሰደድዎ። 4መሊሱ ኻልእ ኣገልጋሊኡ ናብኣቶም ለኣኸ፤ ንእኡውን ብእምኒ ቐጥቂጦም ኣቝሲሎም፥ ኣዋሪዶም ሰደድዎ። 5ከምኡውን ሳልሳይ ካልእ ኣገልጋሊ ለኣኸ፤ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከዓ ለኣኸ፤ ንገሊኣቶም ገረፍዎም፤ ንገሊኣቶም ድማ ቐተልዎም። 6ይኹን እምበር ሓደ ዝፈትዎ ወዲ ነበሮ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ‘ንወደይስ ይሓፍርዎ ግዲ ይኾኑ’ ኢሉ ናብኣቶም ለኣኾ። 7እቶም ሓረስቶት ግና፥ #12፡7 ኣብ ግእዝ “ምስ ረአይዎ” ዝብል ይርከብ። ‘እዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎ እሞ፥ እቲ ርስቱ ንኣና ክኸውን’ ተበሃሃሉ። 8ሒዞም ድማ ቐተልዎ፤ ካብቲ ኣታክልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ናብ ወፃኢ ደርበይዎ። #12፡8 ካብቲ ኣታክልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ናብ ወፃኢ ደርበይዎ፦ ግእዝ “ካብቲ ቦታ ወይኒ ኣውፂኦም ድማ ቐተልዎ” ይብል። 9እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ፥ እንታይ ኮን ክገብር እዩ? መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸዓ፥ ንኻልኦት ይህቦ።
10-11 # መዝ. 118፡22-23። ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥
ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤
እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤
ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ’
ዝብል ፅሑፍዶ ኣየንበብኩምን?” በሎም።
12 # ማር. 11፡18፥ 14፡1። መራሕቲ ኣይሁድ ግና፥ ነዝ ምስላ እዙይ ብዛዕባኣቶም ከም ዝተዛረቦ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፥ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ነቶም ህዝቢ ፈሪሖም ግና፥ ሓዲጎምዎ ኸዱ።
ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ
(ማቴ. 22፡15-22ሉቃ. 20፡20-26)
13 # ማር. 3፡6። ብዘረባኡ ኸጋግይዎ ኢሎም ከዓ፥ ካብ ፈሪሳውያንን ሰባት ሄሮድስ ካብ ዝኾኑን ናብኡ ለኣኹ። 14ናብኡ መፂኦም ድማ “መምህር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾንካ ንሓደኳ ኸም ዘይትፈርሕ፥ ገፅ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉ፥ መንገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ኸም እትምህር ንፈልጥ ኢና። ንቄሳር ግብሪ ምኽፋል ይግባእ ድዩ? ወይ ኣይግባእን? ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል?” በልዎ። 15ኢየሱስ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ፥ “ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እስኪ ነቲ ዲናር ክሪኦ ኣምፅኡለይ” በሎም። 16ንሳቶም ድማ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ናይ ቄሳር” በልዎ። 17ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ከዓ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ተደነቑ።
ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን
(ማቴ. 22፡23-33ሉቃ. 20፡27-40)
18ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ከዓ ናብኡ መፁ፤ 19#ዘዳ. 25፡5-6። “መምህር፥ ሙሴ ‘ሓደ ሰብ ውሉድ እንተይወለደ ሰበይቱ ሓዲጉ እንተ ሞተ፥ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ እሞ፥ ንሓዉ ዘርኢ የቑመሉ’ ኢሉ ፅሒፉልና ኣሎ። 20ኣባና ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፤ ውሉድ እንተይሓደገ ሞተ። 21እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፤ ውሉድ እንተይሓደገውን ሞተ፤ እቲ ሳልሳይውን ከምኡ። 22ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ውሉድ ኣይሓደጉን፤ ድሕሪ ዅሎም ድማ፥ እታ ሰበይቲ ሞተት። 23ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፥ ብትንሳኤ ምዉታን፥ ሰበይቲ ኣየንኦም እያ ኽትከውን?” ኢሎም ጠየቕዎ። 24#ኢዮብ 19፡25-27፥ ኢሳ. 26፡19፥ ዳን. 12፡2። ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “መፃሕፍትን ሓይሊ እግዚኣብሄርን ብዘይ ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘለኹም? 25#1 ቆሮ. 15፡42፥44፥49። ምዉታን ምስ ተስኡስ፥ ከምቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም ዝኾኑ እምበር፥ ኣየውስቡን፤ ኣይዋሰቡን እዮም። 26#ዘፀ. 3፡6፥ ማር. 9፡4። ምዉታን ከም ዝትስኡስ፥ ንሙሴውን እግዚኣብሄር ኣብቲ ቘጥቋጥ፥ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ’ ኸም ዝበሎ ኣየንበብኩምንዶ? 27እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን፤ ንስኻትኩም ግና ብዙሕ ትጋገዩ ኣለኹም” ኢሉ መለሰሎም።
ኣየነይቲ ትእዛዝ ከም እትዓቢ
(ማቴ. 22፡34-40ሉቃ. 10፡25-28)
28ካብቶም መምህራን ሕጊ ሓደ፥ ከም ዝተኸራኸርዎሞ፥ ፅቡቕ ከም ዝመለሰሎም ሰሚዑ፥ ናብኡ ቐረበ። “ካብ ኵለን ትእዛዛት ዝዓበየት ኣየነይቲ እያ?” ኢሉ ጠየቖ። 29#ዘዳ. 6፡4-5። ኢየሱስ ከዓ “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ እያ፤ ‘ኦ እስራኤል፥ ስማዕ! እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። 30ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን፥ ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብምሉእ ሓሳብካን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’ 31#ዘሌ. 19፡18። እታ ንኣኣ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ ‘ንብፃይካ ኸም ንባዕልኻ ጌርካ ኣፍቅር’ እትብል እያ። ካብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ዝዓቢ ትእዛዝ የለን” ኢሉ መለሰሉ። 32#ዘዳ. 4፡35። እቲ መምህር ሕጊ ኸዓ “መምህር፥ ፅቡቕ ተዛሪብካ፤ ብሓቂ እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ድማ ኻልእ የለን። 33#ሆሴዕ 6፡6። ‘ብምሉእ ልብኻን፥ [ብምሉእ ነፍስኻን] ብምሉእ ኣእምሮኻን፥ ብምሉእ ሓይልኻን ምፍቃር፤ ንብፃይካውን ከም ነፍስኻ ምፍቃር’ እዙይ ካብ ኵሉ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ካብ ኵሉ ኻልእ መስዋእትን ይበልፅ እዩ” በሎ። 34#ማር. 10፡21፥ ማቴ. 22፡46፥ ሉቃ. 20፡40። ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ርሑቕ ኣይኮንካን” በሎ። ብድሕሪኡ ሓደኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።
ክርስቶስ ወዲ መን እዩ?
(ማቴ. 22፡41-46ሉቃ. 20፡41-44)
35ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃሮም እንተሎ “መምህራን ሕጊ ኸመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዝብሉ? 36#2 ሳሙ. 23፡2፥ መዝ. 110፡1። ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፥
‘ጐይታ ንጐይታይ፥
ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥
ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ፤ ይብል።
37ዳዊት ባዕሉ ‘ጐይታ’ ኻብ በሎ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን?” በለ። እቶም ብዙሓት ሰባት ድማ፥ ብታሕጓስ ይሰምዕዎ ነበሩ። 38-39#ማር. 8፡15፥ ሉቃ. 11፡43፥ 14፡7-11። እናመሃሮም እንተሎ ኸዓ “ካብቶም ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዝዞሩን፥ ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ፥ ኢድ ክነስኡሎም ዝደልዩ፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድውን ዝለዓለ መንበር፥ ኣብ ማእዲ ዝኸበረ ስፍራ ኻብ ዝደልዩ፥ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ! 40#ማቴ. 23፡1-36፥ ሉቃ. 20፡45-47። ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ዝብዝብዙ፥ ከምስሉ ድማ ኣንዊሖም ዝፅልዩ እዮም እሞ፤ እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኽቕበሉ እዮም” በሎም። #ሉቃ. 12፡18።
ምፅዋት ሓንቲ መበለት
(ሉቃ. 21፡1-4)
41ኢየሱስ ኣብ መንፅር ሙዳየ ምፅዋት፥ ተቐሚጡ፥ እቶም ሰባት ኣብቲ ሙዳየ ምፅዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዘእትዉ ይርኢ ነበረ። ብዙሓት ሃብታማት ከዓ ብዙሕ የእትዉ ነበሩ። 42ሓንቲ ድኻ መበለት ድማ፥ መፂኣ ኽልተ ሳንቲም ዝኣክል ቆድራንቴን ኣእተወት።
43 # 2 ቆሮ. 8፡2፥12። ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ፀዊዑ “ካብዞም ናብዝ ሙዳየ ምፅዋት ዘእተዉ ዅሎም፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ዝበዝሕ ከም ዘእተወት ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 44#1 ነገ. 17፡10-16። ኵሎም እዚኣቶም ካብ ተረፎም እዮም ዘእተዉ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ፥ እታ ዘለታ ጥሪታ እያ ዝሃበት” በሎም።

Currently Selected:

ማርቆስ 12: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in