ማርቆስ 13
13
ብዛዕባ ምፍራስ ቤተ መቕደስ ከም ዝተነበየ
(ማቴ. 24፡1-2፥ ሉቃ. 21፡5-6)
1ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ክወፅእ እንተሎ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ህንፃኡን እምኑን ክንደይ ከም ዘደንቕ ረአ” በሎ። 2ኢየሱስ ከዓ “ነዝ ዓብዪ ህንፃዶ ትሪኦ ኣለኻ? እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይተረፈ ዅሉ ኽፈርስ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ቅድሚ ምፅኣት ጐይታ ዝኸውን ስደትን መከራን
(ማቴ. 24፡3-14፥ ሉቃ. 21፡7-19)
3 #
ማር. 5፡37። ኢየሱስ ኣብ ደብረ ዘይት፥ ኣብ መንፅር ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን፥ ንበይናቶም ቅርብ ኢሎም፦ 4“እዝ ነገራት እዙይ መኣዝ እዩ ዝኸውን? እዝ ዅሉ መኣዝ ኸም ዝፍፀምከ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና?” ኢሎም ጠየቕዎ። 5#2 ተሰ. 2፡2-3፥ 1 ዮሓ. 4፡1። ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ “ሓደኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ፤ 6ብዙሓት ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም፤ ንብዙሓት ከዓ ኸስሕቱ እዮም። 7#መዝ. 112፡2፥7። ውግእን ወረ ውግእን ምስ ሰማዕኹም ኣይትሸበሩ፤ እዙይ ክኸውን ግድን እዩ፤ ግና መወዳእታኡ ገና እዩ። 8#ራእይ 6፡4፥6፥12። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፥ ክለዓል እዩ፤ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ጥሜትን ክኸውን እዩ፤ እዝ ነገራት እዙይ፥ ናይቲ ቕልውላው መጀመርታ እዩ።”
9 #
ዮሓ. 15፡19-20። “ንኣኣቶም ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ንፍርዲ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶምውን ክገርፉኹም፥ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከዓ፥ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10#ማር. 16፡15። ኣቐዲሙ ግና ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ግድን እዩ። 11#ሉቃ. 12፡11-12። ኣሕሊፎም ንኽህቡኹም ክወስዱኹም እንተለዉ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እንታይከ ኽንዛረብ ኢና? ኢልኩም ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ። ሽዑ ዝውሃበኩም ተዛረቡ፤ እትዛረቡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን፥ መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር። 12ሓው ንሓዉ፥ ወላዲ ንውሉዱ፥ ኣሕሊፉ ንሞት ክህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ተሲኦም ክቐትልዎም እዮም። 13#ማቴ. 24፡9-14፥ ሉቃ. 21፡12-19፥ ማቴ. 10፡17-21። ምእንቲ ስመይ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።” #ዮሓ. 15፡21፥ ዕብ. 10፡36።
ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወርድ ዘሰቅቕ መከራ
(ማቴ. 24፡15-28፥ ሉቃ. 21፡20-24)
14እቲ ብነቢይ ዳንኤል ዝተብሃለ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብ ዘይግብኦ #13፡14 ኣብ ግእዝ “ቅዱስ” ዝብል ይርከብ። ስፍራ ቖይሙ ምስ ረአኹም፥ እቲ ዘንብብ የስተውዕል፤ ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ፥ ናብ እምባታት ይህደሙ፤ 15እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸዓ፥ ናብ ገዛ ኣይውረድ፤ ዝኾነ ኽማላእ ኢሉውን ናብ ገዛ ኣይእቶ። 16እቲ ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸዓ፥ ክዳኑ ኽማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17በታ እዋን እቲኣ ግና፥ ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን! 18ህድማኹም ብኽረምቲ ኸይኸውን ፀልዩ። 19ካብታ እግዚኣብሄር መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ፥ ክሳዕ ሎሚ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን መከራ፥ በታ እዋን እቲኣ ክኸውን እዩ። 20#ሮሜ 9፡29። ነተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕፅረንስ፥ #13፡20 እንተ ዘየሕፅረንስ፦ ግእዝ “ክሓፅራ እየን” ይብል። ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሓነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፥ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ክሓፅራ እየን። 21“ሽዑ ሓደኳ ‘ክርስቶስ ኣብዙይ እኒሆ’ ወይ ‘ኣብቱይ ኣሎ’ እንተበለኩም ኣይትእመኑ። 22#ዘዳ. 13፡1-3፥ 1 ጴጥ. 1፡5። ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም እሞ፤ እንተ ተኽኢልዎምስ ነቶም ሕሩያትውን፥ ከስሕቱ ምልክትን ዘደንቑ ነገራትን ክገብሩ እዮም። 23#ዮሓ. 16፡1፥4። ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ! እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነጊረኩም ኣለኹ።”
ካልኣይ ምፅኣት ክርስቶስ
(ማቴ. 24፡29-31፥ ሉቃ. 21፡25-28)
24“እንተ ኾነ በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ድሕሪ እዝ መከራ እዙይ፥ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ። 25ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ፥ ሓይልታት ሰማያትውን ክናወፁ እዮም። 26ሽዑ ንወዲ ሰብ፥ ብብዙሕ ሓይልን ክብርን ብደመና ኽመፅእ እንተሎ ኽሪእዎ እዮም። 27ሽዑ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ነቶም ሕሩያቱ፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ክእክብዎም እዮም።”
ምስላ ዕፀ በለስ
(ማቴ. 24፡32-35፥ ሉቃ. 21፡29-33)
28“ናይዙይ ምስላ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ፤ ጨናፍራ ምስ ለምለመ ቘፅላውን ምስ ጠጥዐ፥ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 29#ያቆ. 5፡8፥ ራእይ 22፡20። ንስኻትኩም ድማ ኸምኡ፥ እዝ ነገራት እዙይ ክኸውን እንተሎ ምስ ረአኹም፥ ምፅኣት ጐይታ ኣብ ኣፍ ደገ ኸም ዝበፅሐ ፍለጡ። 30#ማር. 9፡1። እዝ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ትውልዲ እዙይ ከም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 31#መዝ. 119፡89፥ ኢሳ. 40፡8። ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ነታ መወዳእታ መዓልትን ሰዓትን ዝፈልጣ የለን
(ማቴ. 24፡36-44)
32“ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ እንትርፊ ኣብ፥ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ ወይ ወልድ ሓደኳ ዝፈልጣ የለን። 33#ማቴ. 24፡42፥ ሉቃ. 12፡40፥ 1 ጴጥ. 4፡7። ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን፥ ፀልዩን። 34#ማቴ. 25፡14-15። ከምቲ ገዛኡ ሓዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂቡ ሰስራሖም ዘትሕዞም፥ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገውን፥ ክነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ። 35-36#ሉቃ. 12፡38፥ 21፡34፥ 1 ተሰ. 5፡5-6። እቲ በዓል ገዛ፥ ምሸት ወይ ፍርቂ ለይቲ ወይ ደርሆ ነቆ ወይ ንግሆ፥ መአዝ ኸም ዝመፅእ ስለ ዘይትፈልጡ፥ ድንገት መፂኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምስ ‘ንቕሑ’። 37#ራእይ 16፡15። እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።
Currently Selected:
ማርቆስ 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy
![None](/_next/image?url=https%3A%2F%2Fimageproxy.youversionapistaging.com%2F58%2Fhttps%3A%2F%2Fweb-assets.youversion.com%2Fapp-icons%2Fen.png&w=128&q=75)
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: