ማርቆስ 14
14
ንኢየሱስ ክቐትልዎ ኸም ዝተማኸሩ
(ማቴ. 26፡1-5፥ ሉቃ. 22፡1-2፥ ዮሓ. 11፡45-53)
1 #
ዘሌ. 23፡5-6፥ መዝ. 56፡6። ፋሲካን በዓል ቅጫን ክኸውን ክልተ መዓልቲ ተሪፍዎ ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። 2#ማር. 12፡12። እንተ ኾነ “ኣብ ህዝቢ ሁከት ከይለዓልስ ብበዓል ኣይኹን” በሉ።
ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ሽቱ ኸም ዝተቐብአ
(ማቴ. 26፡6-13፥ ዮሓ. 12፡1-8)
3ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ እንዳ ስምኦን እቲ ለምፃም፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰናደወ፥ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ሒዛ መፀት፤ ነቲ ብልቃጥ ሰይራ #14፡3 ሰይራ፦ ግእዝ “ከፊታ” ይብል። ድማ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 4ገሊኣቶም ኰሪዮም “እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጥፍኣት ምዑዝ ሽቱ ንምንታይ እዩ? 5እዝ ሽቱ እዙይ፥ ካብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንላዕሊ ተሸይጡ፥ ንድኻታትዶ ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ” በሉ። ንኣኣውን ነቐፍዋ። 6ኢየሱስ ግና “ነዛ ሰበይቲ ስለ ምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም? ሕደግዋ፤ ሰናይ ግብሪ እያ ዝገበረትለይ። 7#ማር. 2፡20። ድኻታትስ ዅልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰናይ ግብሪ ኽትገብሩሎም እንተ ደሊኹም ትኽእሉ ኢኹም። ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። 8እዚኣ ዝከኣላ እያ ዝገበረት፤ ኣቐዲማውን ንቐብረይ ሰብነተይ ቀብአት። 9እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝተሰብኮ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ይሁዳ ኣሕሊፉ ኽህቦ ኸም ዝተሰማምዐ
(ማቴ. 26፡14-16፥ ሉቃ. 22፡3-6)
10ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ፥ ሓደ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ፥ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከደ። 11ንሳቶም ድማ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ገንዘብ #14፡11 ገንዘብ፦ ግእዝ “ሰላሳ ቕርሺ” ይብል። ክህብዎውን ተሰማምዑ፤ ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።
ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድራር ፋሲካ ኸም ዝበልዐ
(ማቴ. 26፡17-25፥ ሉቃ. 22፡7-14፥21-23፥ ዮሓ. 13፡21-30)
12በታ በጊዕ ፋሲካ ዝሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፥ ደቀ መዛሙርቱ “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ። 13ኢየሱስ ድማ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ “ናብ ከተማ ኺዱ፤ ኣብኡ ዕትሮ ማይ ዝተሸከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ንእኡ ሰዓብዎ። 14ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ኺዱሞ፥ ነቲ በዓል ገዛ ‘መምህር፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ድራር ፋሲካ ዝበልዐላ መዕረፊ ጋሻ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ’ በልዎ። 15ንሱ ኸዓ ኣብ ደብሪ ዝተነፀፈን ዝተዳለወን ዓብዪ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ፤ ኣብኡ ኣዳልዉልና” በሎም። 16እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብታ ኸተማ ኸይዶም፥ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ ኣብኡውን ድራር ፋሲካ ኣሰናደዉ።
17ምስ መሰየ ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ መፀ። 18#መዝ. 41፡9። ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ፥ “ሓደ ኻባኻትኩም፥ እቲ ምሳይ ዝበልዕ ዘሎ፥ ከም ዘትሕዘኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። 19ንሳቶም ከዓ ኽሓዝኑ ጀመሩ፤ በብሓደውን “ኣነ ደኾን እኸውን?” በሉ። 20ኢየሱስ ከዓ “ሓደ ኻብ ዓሰርተ ኽልቴኹም እቲ ምሳይ ኣብ ፃሕሊ ዝፀብሕ እዩ። 21#ማቴ. 26፡20-25፥ ሉቃ. 22፡14፥21-23፥ ዮሓ. 13፡21-30። ወዲ ሰብስ፥ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ እቲ ንወዲ ሰብ ዘትሕዞ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይስ፥ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በሎም።
ኢየሱስ ቅዱስ ቍርባን ከም ዝሰርዐ
(ማቴ. 26፡26-30፥ ሉቃ. 22፡14-20፥ 1 ቆሮ. 10፡16፥ 11፡23-25)
22እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዒሉ ባረኸ፤ ቈሪሱ ኸዓ “እንኩ፥ እዙይ ስጋይ እዩ” ኢሉ ሃቦም። 23ከምኡውን ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ሃቦም፤ ኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ። 24#ማር. 10፡45፥ ሮሜ 5፡18-19፥ 1 ጴጥ. 1፡18-19፥ ኢሳ. 53፡11። ንሱ ኸዓ “እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ዝፈስስ፥ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። 25ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ፥ ደጊመ ኸም ዘይሰቲ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። 26መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።
ኢየሱስ፥ ጴጥሮስ ከም ዝኽሕዶ ተዛረበ
(ማቴ. 26፡31-35፥ ሉቃ. 22፡31-34፥ ዮሓ. 13፡36-38)
27 #
ዘካ. 13፡7፥ ማር. 14፡50። ኢየሱስ ድማ “ ‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ፥ ክብተና እየን’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ኵልኻትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ #14፡27 ብኣይ ክትዕንቀፉ፦ ግእዝ “ክትክሕዱኒ” ይብል። ኢኹም። 28#ማር. 16፡7። ምስ ተሳእኹ ግና፥ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም። 29ጴጥሮስ ድማ “ኵሎም እኳ እንተ ኸሓዱኻ፥ ኣነስ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ። 30#ማር. 14፡72። ኢየሱስ ከዓ “ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ደርሆ ኽልተ ሻዕ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ። 31#ማቴ. 26፡30-35፥ ሉቃ. 22፡31-34፥39። ጴጥሮስ ሽዑ “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር፥ ፈፂመ ኣይክሕደካን እየ” እናበለ የመና ኣትሪሩ ተዛረበ፤ ኵሎምውን ከምኡ በሉ። #ዮሓ. 11፡16፥ 1 ቆሮ. 10፡12።
ኢየሱስ ኣብ ጌቴሴማኒ ኸም ዝፀለየ
(ማቴ. 26፡36-46፥ ሉቃ. 22፡39-46)
32ጌቴሴማኒ ናብ እትበሃል ቦታውን መፁ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ኣብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝፅሊ ኣብዙይ ፅንሑ” በሎም። 33#ማር. 5፡37። ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ተማሊኡ ኸዓ፥ ክሓዝንን ክትክዝን ጀመረ። 34“ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ሓዚና ኣላ፤ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ትግሁውን” 35ቁሩብ ንቕድሚት ፈንተት ኢሉ ድማ፥ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እታ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ፥ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ፀለየ። 36#ማር. 10፡38። “ኣባ፥ ኣቦይ! ኵሉ ይከኣለካ እዩ እሞ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ይኹን” በለ። 37ተመሊሱ ኸዓ ደቂሶም ረኸቦም፤ ንጴጥሮስ ድማ “ስምኦን፥ ደቂስካዶ? ሓንቲ ሰዓት እኳ ኽትነቅሕዶ ኣይከኣልካን? 38ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተጊህኹም ፀልዩ፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ እሞ” በሎ። 39ከምኡውን ከይዱ ኸምቲ ቕድም ዝፀለዮ ፀለየ። 40ካልኣይ ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ነበራ እሞ፥ ደቂሶም ረኸቦም፤ እንታይ ከም ዝምልሱሉ ድማ ኣይፈልጡን ነበሩ። 41#ማር. 8፡31። ንሳልሳይ ጊዜ መፂኡ ኸዓ፦ “ደጊም ደቅሱ ዕረፉ፤ ይኣክል! እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ እንሆ፥ ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም። 42ተልዓሉ፤ ንኺድ! እንሆ እቲ ዘትሕዘኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም።
ኢየሱስ ከም ዝተትሓዘ
(ማቴ. 26፡47-56፥ ሉቃ. 22፡47-53፥ ዮሓ. 18፡3-12)
43ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ፥ ይሁዳ መፀ። ምስኡውን ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ነበሩ። 44እቲ ዘትሕዞ ኸዓ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ፤ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣቐዲሙ ምልክት ሂብዎም ነበረ። 45ሽዑ ይሁዳ መፂኡ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር” ኢሉ ሰዓሞ። 46ንሳቶም ከዓ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ። 47ካብቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓደ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ሰይፉ መዚዙ ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረፆ። 48ኢየሱስ ድማ “ከም ከታሪዶ በስይፍትን በብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም? 49#ማር. 11፡27፥ ሉቃ. 19፡47-48። ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም እውዕል ነይረ፥ ኣይሓዝኩምንን። እዙይ ዝኾነ ግና፥ እቲ ኣብ መፃሕፍቲ ዝተፅሓፈ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ” ኢሉ መለሰሎም። 50#ማር. 14፡27፥ ዮሓ. 16፡32። ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።
51ሓደ ዕርቃኑ ብነፀላ ዝሸፈነ መንእሰይ ድማ ይስዕቦ ነበረ፤ እቶም ኣጓብዝ ኸዓ ሓዝዎ። 52ንሱ ድማ ነፀላኡ ሓዲጉሎም ጥራሕ ዝባኑ ሃደመ።
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ሊቀ ካህናት ንፍርዲ ኸም ዝቐረበ
(ማቴ. 26፡57-68፥ ሉቃ. 22፡54-55፥63-71፥ ዮሓ. 18፡13-14፥19-24)
53ንኢየሱስ ናብ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ድማ፥ ብሙሉኦም ናብኡ ተኣከቡ። 54ጴጥሮስ ድማ ኽሳዕ ውሽጢ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት፥ ርሕቕ ኢሉ ሰዓቦ፤ ኣብኡ ምስቶም ሓሻኽር ተቐሚጡውን፥ ሓዊ ይስሕን ነበረ። 55ሊቃነ ካህናትን ኵሉ እቲ መጋባእያን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ምስክር ይደልዩ ነበሩ፤ ግና ኣይረኸቡን። 56ብዙሓት ብሓሰት መስከሩ፤ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን። 57-58#ዮሓ. 2፡19። ገሊኣቶም ሰባት ተሲኦም “ ‘ኣነ ነዝ ብኢድ ሰብ ዝተሃንፀ ቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ፥ ካልእ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሓንፅ እየ’ እንትብል ንሕና ሰሚዕናዮ” እናበሉ ብሓሰት መስከሩ። 59በዙይውን ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን።
60እቲ ሊቀ ካህናት ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “በዝ ዝምስክርዎ ዘለዉስ እትምልሶዶ የብልካን ኢኻ?” ኢሉ ንኢየሱስ ጠየቖ። 61#ማር. 15፡4-5። ንሱ ግና መልሲ እንተይሃበ ስቕ በለ፤ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ደጊሙ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ቡሩኽ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። 62#መዝ. 110፡1፥ ማር. 13፡26። “ኢየሱስ ድማ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ከዓ ኣብ የማን ሓይሊ #14፡62 ኣብ የማን ሓይሊ፦ “ኣብ የማን ሓይሊ እግዚኣብሄር” ማለት እዩ። ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽትሪእዎ ኢኹም” በሎ። 63እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ኽዳኑ ቐዲዱ “ደጊምከ እንታይ መሰኻኽር የድልየና? 64#ዘሌ. 24፡16። ፀርፉ ባዕልኻትኩም ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም፤ እንታይ ትብሉ?” በለ። ኵሎም ከዓ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ፈረዱ። 65#ማር. 15፡19። ገሊኣቶም ድማ እንትፍ ክብሉሉን፥ ገፁ ጐልቢቦም እናወቕዑ “ተነበየልና! መን እዩ ዝፀፍዐካ!” ክብልዎን ጀመሩ፤ እቶም ሓሻኽርውን እናፀፍዑ ወሰድዎ።
ክሕደት ጴጥሮስ
(ማቴ. 26፡69-75፥ ሉቃ. 22፡56-62፥ ዮሓ. 18፡15-18፥25-27)
66ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ውሽጢ ቕፅሪ እንተሎ፥ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ካህናት መፀት። 67ጴጥሮስ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ ምስ ረአየቶ፥ ኣተኲራ እናጠመተት፥ “ንስኻውን ምስ ኢየሱስ ናይ ናዝሬት ኔርካ ኢኻ” በለቶ። 68ንሱ ግና “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን፤ ኣየስተውዕሎንውን” ኢሉ ኸሓደ፤ ካብ ቅፅሪ ናብ ኣፍ ደገ ድማ ወፀ፤ ደርሆውን ነቀወ። 69እታ ገረድ #14፡69 እታ ገረድ፦ ግእዝ “ካልአይቲ ገረድ” ይብል። ድማ ረአየቶ፤ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ “እዙይውን ካብኣቶም እዩ” በለቶም። 70ንሱ ግና ደጊሙ ኸሓደ፤ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፥ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ገሊላዊውን ኢኻ፤ ኣዘራርባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ። 71ንሱ ግና “ነዝ እትብልዎ ዘለኹም ሰብ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ። 72#ማር. 14፡30። ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ደርሆ ንኻልኣይ ጊዜ ነቀወ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ ኽልተ ጊዜ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘኪሩ፥ ኣምሪሩ በኸየ።
Currently Selected:
ማርቆስ 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy
![None](/_next/image?url=https%3A%2F%2Fimageproxy.youversionapistaging.com%2F58%2Fhttps%3A%2F%2Fweb-assets.youversion.com%2Fapp-icons%2Fen.png&w=128&q=75)
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in