1
ዘፍጥረት 11:6-7
መፅሓፍ ቅዱስ
እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ እዚኣቶም ሓደ ቛንቋ ዝዛረቡ ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ እዙይ እዩ። ድሕሪ ደጊም ነቲ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ ኻብ ምፍፃም ዝኽልክሎም የለን። እምበኣር ንስንሳቶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድሞ ቛንቋኣቶም ንደባልቕ” በለ።
Σύγκριση
Διαβάστε ዘፍጥረት 11:6-7
2
ዘፍጥረት 11:4
ሽዑ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እንተይተበታተንና፥ ሰማይ ዝበፅሕ ግንቢ ዘለዋ ኸተማ ንስራሕ፥ ስምና ኸዓ ነፀውዕ” በሉ።
Διαβάστε ዘፍጥረት 11:4
3
ዘፍጥረት 11:9
እግዚኣብሄር ቋንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፥ እታ ኸተማ “ባቢሎን” ተብሃለት። ካብኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ናብ ኵላ ምድሪ በተኖም።
Διαβάστε ዘፍጥረት 11:9
4
ዘፍጥረት 11:1
ኵሉ ምድሪ፥ ሓደ ቛንቋን ሓደ ዘረባን ነበሮ።
Διαβάστε ዘፍጥረት 11:1
5
ዘፍጥረት 11:5
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ደቂ ኣዳም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግንብን ክርኢ ወረደ።
Διαβάστε ዘፍጥረት 11:5
6
ዘፍጥረት 11:8
እግዚኣብሄር ድማ ኻብኡ ናብ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፤ ምህናፅ እታ ኸተማ ድማ ኣቋረፁ።
Διαβάστε ዘፍጥረት 11:8
Αρχική
Αγία Γραφή
Σχέδια
Βίντεο