1
ዮሃንስ 15:5
መፅሓፍ ቅዱስ
እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።
Σύγκριση
Διαβάστε ዮሃንስ 15:5
2
ዮሃንስ 15:4
ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነይሩ፥ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል፥ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይኔርኩም፥ ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:4
3
ዮሃንስ 15:7
ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:7
4
ዮሃንስ 15:16
ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:16
5
ዮሃንስ 15:13
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:13
6
ዮሃንስ 15:2
ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:2
7
ዮሃንስ 15:12
ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:12
8
ዮሃንስ 15:8
ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:8
9
ዮሃንስ 15:1
“ኣነ፥ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:1
10
ዮሃንስ 15:6
ኵሉ ኣባይ ዘይነብር፥ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርቢዩ ይነቅፅ፤ ኣኪቦም ድማ፥ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:6
11
ዮሃንስ 15:11
ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:11
12
ዮሃንስ 15:10
ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:10
13
ዮሃንስ 15:17
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:17
14
ዮሃንስ 15:19
ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ እትኾኑስ፥ ዓለም ናቱ ዝኾነ ይፈቱ እዩ እሞ፥ ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም እምበር፥ ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ዓለም ይፀልአኩም ኣሎ።
Διαβάστε ዮሃንስ 15:19
Αρχική
Αγία Γραφή
Σχέδια
Βίντεο