1
ዮሃንስ 5:24
መፅሓፍ ቅዱስ
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
Спореди
Истражи ዮሃንስ 5:24
2
ዮሃንስ 5:6
ኢየሱስ ድማ ንእኡ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረአዮ፥ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ?” በሎ።
Истражи ዮሃንስ 5:6
3
ዮሃንስ 5:39-40
ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም፥ ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ናባይ ክትመፁ ኣይትደልዩን ኢኹም።
Истражи ዮሃንስ 5:39-40
4
ዮሃንስ 5:8-9
ኢየሱስ ድማ “ተስእ! ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ፤ ዓራቱ ተሸኪሙውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰንበት ነበረት።
Истражи ዮሃንስ 5:8-9
5
ዮሃንስ 5:19
ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ወልድ፥ ነቲ ኣብ ክገብሮ ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብ ባዕሉ ሓንቲ ነገር እኳ ኽገብር ኣይኽእልን እዩ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ዝገብሮ፥ ወልድውን ይገብሮ።
Истражи ዮሃንስ 5:19
Дома
Библија
Планови
Видеа