ሉቃስ 23
23
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ
(ማቴ. 27፡1-2፥11-14፥ ማር. 15፡1-5፥ ዮሓ. 18፡28-38)
1ሽዑ ዅላቶም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተሲኦም፥ ንኢየሱስ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። 2ንሳቶም ድማ “እዝ ሰብዙይ ንህዝብና እንተስሕቶም፥ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ እንትኽልክሎም፥ ባዕሉውን ‘ክርስቶስ ንጉስ እየ’ እናበለ፥ ክዛረቦም እንተሎ ረኺብናዮ” እናበሉ ክኸስዎ ጀመሩ።
3ጲላጦስ ከዓ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ፤ “ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። 4ጲላጦስ ድማ ንሊቃነ ካህናትን ነቶም ህዝብን “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን” በሎም። 5ንሳቶም ግና፥ “ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብዙይ፥ ኣብ ኵሉ ይሁዳ እናመሃረ፥ ንህዝቢ የለዓዕል ኣሎ” እናበሉ ኣምሪሮም ተናገሩ። 6ጲላጦስ ከዓ ገሊላ እንትብሉ ምስ ሰምዐ፥ ገሊላዊ ምዃኑ ጠየቐ። 7ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፥ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ፤ ንሱ በታ ቕነ እቲኣ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበረሞ።
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ሄሮድስ
8ሄሮድስ ብዛዕባ ኢየሱስ ብዙሕ ይሰምዕ ነበረ፤ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩውን ክሪኦ ይደሊ ነበረ፤ ንሱ ዝገብሮ ተኣምራትውን ክርኢ ይምነ ነበረ እሞ፥ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ የመና ተሓጐሰ። 9ብዙሕ ነገራትውን ጠየቖ፤ ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን። 10ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከዓ፥ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ። 11ሄሮድስውን ምስ ሓሻኽሩ ኾይኑ፥ ኣቃለሎን ሓጨጨሉን፤ ቀይሕ ክዳን ክብሪ ኸዲኑ ድማ፥ መሊሱ ናብ ጲላጦስ ሰደዶ። 12ጲላጦስን ሄሮድስን፥ ቅድም እንትብል ፅልኢ ነይርዎምስ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ተዓረቑ።
ኢየሱስ ንሞት ከም ዝተፈረደ
(ማቴ. 27፡15-26፥ ማር. 15፡6-15፥ ዮሓ. 18፡39—19፡16)
13ጲላጦስ ግና፥ ንሊቃነ ካህናትን ንሽማግለታትን ንህዝብን ብሓባር ፀዊዑ፦ 14“ነዝ ሰብ እዙይ፥ ‘ህዝቢ የስሕት ኣሎ’ ኢልኩም ናባይ ኣምፂእኹምዎ፤ እንተ ኾነ፥ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፥ ካብቲ ዘቕረብኩምዎ ኽሲ፥ ኣብዝ ሰብ እዙይ፥ ሓንቲ በደልኳ ኣይረኸብኩን። 15ናብ ሄሮድስ ሰዲደዮ ነይረ፤ ሄሮድስ ድማ፥ ናባና መሊሱ ሰዲድዎ። እንሆ ናብ ሞት ዘብፅሕ፥ ሓደ ነገር እኳ ኣይገበረን። 16ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ” በሎም። 17እዙይ ዝበለ፥ በብበዓል ሓደ እሱር ክፈትሐሎም፥ ንቡር ስለ ዝነበረ እዩ። 18እቶም ህዝቢ ድማ ዅላቶም፥ “ነዙይ ኣወግዶ! ንበርባን ግና ፍትሐልና!” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። 19በርባን፥ ኣብ ከተማ ሁከት ብምልዕዓልን፥ ሰብ ብምቕታልን፥ ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። 20ጲላጦስ ንኢየሱስ ክፈትሖ ደልዩ፥ ደጊሙ ተዛረቦም። 21ንሳቶም ግና “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ድምፂ ኣስምዑ። 22ጲላጦስ ከዓ ንሳልሳይ ጊዜ “እንታይ ክፉእ ገበረ? ናብ ሞት ዘብፅሕ ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን፤ ስለዙይ ገሪፈ ኽፈትሖ እየ” በሎም። 23ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም ክስቀል ለመንዎ፤ ቃሎምን፥ ቃል ሊቃነ ካህናትን ድማ በርትዐ። 24ጲላጦስ ድማ ልመናኦም ክፍፀመሎም ፈረደ። 25ነቲ ሁከት ብምልዕዓልን፥ ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን፥ ከም ልመናኦም ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና፥ ከም ድልየቶም ክገብርዎ፥ ኣሕሊፉ ሃቦም።
ኢየሱስ ከም ዝተሰቕለ
(ማቴ. 27፡32-44፥ ማር. 15፡21-32፥ ዮሓ. 9፡17-27)
26ንኢየሱስ ሒዞምዎ ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ንስምኦን ቀሬናዊ፥ ካብ በረኻ ኽኣቱ እንተሎ ሓዝዎ፤ መስቀል ኣሰኪሞም ድማ፥ ደድሕሪኡ ኸም ዝስዕብ ገበሩ፦
27ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ይስዕቦ ነበረ፤ ኣንስትውን የልቅሳሉን ይበኽያሉን ነበራ። 28ኢየሱስ ግና ናብኣተን ግልፅ ኢሉ “ኦ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ርእስኽንን ምእንቲ ደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፥ ምእንታይስ ኣይትብከያ፤ 29እተን መኻናትን፥ ዘይወለዳ ማህፀናትን፥ ዘየጥበዋ ኣጥባትን፥ ብፁኣት እየን፤ ዝብሉለን መዓልቲታት ክመፃ እየንሞ። 30በቲ ጊዜ እቱይ ‘ንእምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ፤ ንዀረብታታትውን ከውሉና፥ ምባል ክጅምሩ እዮም።’ 31ኣብ ርሑስ ኦም ከምዙይ ዝገበሩስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ደኣ፥ ከመይ ክኸውን እዩ?”
32ንኽልተ ኸተርትውን ምስኡ ኽሰቕልዎም ወሰድዎም። 33ቀራንዮ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ምስ በፅሑ፥ ኣብኡ ሰቐልዎ፤ ነቶም ክልተ ኸተርቲውን ሓደ ብየማኑ፥ ሓደ ብፀጋሙ ሰቐልዎም። 34ኢየሱስ ድማ፥ “ኦ ኣቦይ! ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም” በለ። ንኽዳውንቱውን ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ። 35እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፤ እቶም ሹመኛታት “ንኻልኦት ዘድሕን፥ ንሱ ክርስቶስ ናይ እግዚኣብሄር ሕሩይ እንተ ኾይኑስ፥ እስኪ ንባዕሉ የድሕን” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ። 36-37እቶም ወታደራትውን የባጭውሉ ነበሩ፤ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ክሰትዮ መፂፅ ሃብዎ። “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ፥ ንባዕልኻ ኣድሕን” በልዎ። 38ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ “እዙይ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዝብል፥ ብፊደል ግሪክን ሮማይስጥን ዕብራይስጥን ዝተፅሓፈ ፅሕፈት ነበረ።
ምስ ኢየሱስ ዝተሰቐሉ ዓመፅቲ
(ማቴ. 27፡38-44፥ ማር. 15፡27-32)
39ሓደ ኻብቶም ምስኡ ዝተሰቕሉ ኸተርቲ፥ “ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፥ ንባዕልኻን ንኣናን ኣድሕን” እናበለ ይሕጭጨሉ ነበረ። 40እቲ ኻልኣዩ ግና፥ “ኣታ፥ ኣብዝ ኸምዙይ ዝበለ ፍርዲ እንተለኻ፥ ንእግዚኣብሄርዶ ኣይትፈርሕን ኢኻ? 41ንሕናስ ብሓቂ፥ ብግብርና ዝግብአና ተፈዲና፤ እዙይ ግና፥ ሓንቲ ኽፍኣት ኣይገበረን” ኢሉ ገሰፆ። 42ንኢየሱስ ከዓ፦ “ኦ ጐይታ! ብመንግስትኻ ኽትመፅእ እንተለኻ ዘክረኒ” በሎ። 43ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ኣብ ገነት፥ ምሳይ ከም እትኸውን፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።
ኢየሱስ ከም ዝሞተ
(ማቴ. 27፡45-56፥ ማር. 15፡33-41፥ ዮሓ. 19፡28-30)
44ካብ ቀትሪ ሽዱሽተ ሰዓት፥ ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ናይ መዓልቲ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ፀልማት ኮነ። 45ፀሓይ ፀልመተት፤ መጋረጃ ቤተ መቕደስውን፥ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 46ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕፅና ኣለኹ” በለ። እዙይ ምስ በለ ነፍሱ ወፀት። 47እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአየ፥ “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብሓቂ ፃድቕ እዩ ነይሩ” እናበለ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ። 48እቶም ክሪኡ ዝተኣከቡ ህዝቢ ድማ፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአዩ፥ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ፥ ነናብ ገዛኦም ተመለሱ። 49እቶም ዝፈልጥዎ ዅሎምን፥ እተን ካብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ኣንስትን ከዓ፥ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዙይ ይጥምቱ ነበሩ።
ኢየሱስ ከም ዝተቐበረ
(ማቴ. 27፡57-61፥ ማር. 15፡42-47፥ ዮሓ. 19፡38-42)
50እንሆ፥ ዮሴፍ ዝስሙ ኣባል ባይቶ ኣይሁድ፥ ሕያዋይን ፃድቕን ሰብ መፀ። 51ዓዱ ድማ ኣርማትያስ ዝበሃል፥ ከተማ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ዝፅበያ ደኣ ነበረ እምበር፥ ኣብቲ ምኽሪ ኣይሁድን ግብሮምን ግና፥ ሕብረት ኣይነበሮን። 52ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ኽህቦ ለመኖ። 53ኣውሪዱ ኸዓ፥ ብሓድሽ ፃዕዳ ሓሪ ገነዞ፤ ሰብ ኣብ ዘይተቐበሮ፥ ውቑር መቓብርውን ቀበሮ። 54ሽዑ መዓልቲ ምድላው፥ ድሮ ሰንበት ነበረ። 55እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመፃ ኣንስቲ ድማ ተኸቲለን፥ መቓብሩን ነቲ ስጋኡ ኸመይ ከም ዘንበሩዎን ረአያ። 56ተመሊሰን ከዓ ሽቱን ቅብኣትን ኣዳለዋ፤ ግና ኸምቲ ትእዛዝ ሕጊ፥ ሰንበት ስለ ዝኾነ ኣዕሪፈን ወዓላ።
ที่ได้เลือกล่าสุด:
ሉቃስ 23: ትመ15
เน้นข้อความ
แบ่งปัน
คัดลอก
ต้องการเน้นข้อความที่บันทึกไว้ตลอดทั้งอุปกรณ์ของคุณหรือไม่? ลงทะเบียน หรือลงชื่อเข้าใช้