ዘፍጥረት 9
9
እግዚኣብሄር ንኖህ ቃል ኪዳን ከም ዝኣተወሉ
1 #
ዘፍ. 1፡28። እግዚኣብሄር ንኖህን ንደቁን ባረኾም፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ብዝሑን ተባዝሑን ንምድሪ ኸዓ ምልእዋ። 2ኵሎም ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኻትኩም ይፍርሑን ይደንግፁን፤ ኵሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኵሎም ዓሳታት ባሕርን ክግዝኡኹም ሂበኩም ኣለኹ። 3ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ። 4#ዘሌ. 7፡26-27፥ 17፡10-14፥ ዘሌ. 19፡26፥ ዘዳ. 12፡16፥23፥ 15፡23። ግና ህይወት ኣብ ደም እዩ እሞ፥ ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ። 5ነቲ ህይወት ዘለዎ ደምኩም ዘፍሰሰ ኣነ ሕነ ኽፈድዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊትውን ሕነ ኽፈድዮ እየ። ንነፍሲ ሰብ ድማ ኻብ ኢድ ሰብ፥ ካብ ኢድ ሓዉ ሕነ ኽፈድዮ እየ።
6 #
ዘፀ. 20፡13፥ ዘፍ. 1፡26። እቲ ደም ሰብ ዘፍስስ፥
ደሙ ብሰብ ክፈስስ እዩ፤
እግዚኣብሄር ንሰብ ብምስሉ እዩ ፈጢርዎሞ።
7 #
ዘፍ. 1፡28። “ንስኻትኩም ግና ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንምድሪ ድማ ምልእዋ፤ ኣብኣውን ተባዝሑ።”
8እግዚኣብሄር ከዓ ንኖህን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦ 9“እንሆ ኣነ ምሳኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹም ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ። 10ምስቲ ዅሉ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍ፥ እንስሳ፥ ኵሉ ኣራዊት በረኻ፥ ምስቲ ምሳኻትኩም ካብ መርከብ ዝወፀ ዅሉን፥ ምስ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጡርን ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ። 11ድሕሪ ደጊም ዅሉ ህይወት ዘለዎ ብማይ ጥፍኣት ኣይጠፍእን እዩ። ንምድሪ ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ መሊሱ ኣይመፅእን እዩ። እንሆ ኺዳነይ ምሳኻትኩም አቕውም ኣለኹ።”
12እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡርን፥ ንዘለኣለም ዝኣትዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ፤ 13ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ። 14እንሆ ደመና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸደምን እንተለኹ፥ ኣብቲ ደመና ቐስቲ ኽረአ እዩ። 15ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ እቲ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ኺዳነይ ክዝክር እየ። እቲ ንዅሉ ፍጡር ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ፥ ድሕሪ ደጊም ኣይኸውንን እዩ። 16እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደመና ኽረአ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምእንቲ ኽዝክር ክሪኦ እየ።” 17እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ፍጡርን ዘቖምክዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ” በሎ።
ኖህን ደቁን
18እቶም ካብ መርከብ ዝወፁ ደቂ ኖህ፥ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ኣቦ ከነዓን እዩ። 19እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ዝተወለዱ ኸዓ ንዅላ ምድሪ መልእዋ።
20ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ክኸውን ጀመረ፤ ወይኒ ኸዓ ተኸለ። 21ካብቲ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፤ ኣብ ማእኸል ድንኳኑ ኸዓ ጥራሑ ወፀ። 22ኣቦ ከነዓን ካም ከዓ፥ ዕርቃን ኣቦኡ ሪኡ፥ ናብ ደገ ወፂኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም። 23ሴምን ያፌትን ግና፥ ክዳን ወሲዶም ኣብ ማእገሮም ገይሮም ናይ ኣቦኣቶም ዕርቃን ከይሪኡ ገፆም ኣዚሮም ዕርቃን ኣቦኣቶም ከደኑ። 24ኖህ ከዓ ኻብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመለሰ፤ እቲ ንእሽተይ ወዱ ዝገበሮውን ፈለጠ። 25“ከነዓን ርጉም ይኹን። #9፡25 ባርያ፦ ግእዝ “ተገዛኣይ ኣገልጋሊ” ይብል። ነሕዋቱውን ባርያ ይኹን” በለ። 26ኣስዒቡውን “ኣምላኽ ሴም፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን። 27እግዚኣብሄር ንያፌት የስፍሕ፤ ኣብ ድንኳናት ሴምውን ይንበር፤ ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን” በለ። 28ኖህ ከዓ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ነበረ። 29ኖህ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን።
موجودہ انتخاب:
ዘፍጥረት 9: ትመ15
سرخی
شئیر
کاپی
کیا آپ جاہتے ہیں کہ آپ کی سرکیاں آپ کی devices پر محفوظ ہوں؟ Sign up or sign in