1
ዮሃንስ 6:35
መፅሓፍ ቅዱስ
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ዮሃንስ 6:63
ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
3
ዮሃንስ 6:27
እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።
4
ዮሃንስ 6:40
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”
5
ዮሃንስ 6:29
ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።
6
ዮሃንስ 6:37
ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
7
ዮሃንስ 6:68
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?
8
ዮሃንስ 6:51
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
9
ዮሃንስ 6:44
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
10
ዮሃንስ 6:33
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም።
11
ዮሃንስ 6:48
ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ።
12
ዮሃንስ 6:11-12
ኢየሱስ ነተን እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ዝተቐመጡ ሰባት ሃብዎም፤ ነቶም ዓሳታትውን ከምኡ ኸከምዝደልዩዎ ሃብዎም። በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብኡ ሓደኳ ኸይባኽን፥ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም።
13
ዮሃንስ 6:19-20
ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ፥ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦም ፈርሑ። ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo